ወረቐት ብኸመይ ይስራሕ?

ወረቐት ካብ ኣግራብ’ዩ ዝስራሕ። ነዚ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ወረቐት ደኣ ክንደይ ዝኸውን ኣግራብ ይቑረጽ ማለት’ዩ ዶ ትብሉ ኣለኹም። ኣይተጋገኹምን፡ መብዛሕትአን ወረቐት ዘፍርያ ፋብሪካታት ኣብተን ብኣግራብ ዝዓመረ ጫካታት ዘለወን ሃገራት’የን ዝርከባ። ካናዳ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ድማ ከም ኣብነት ክንጠቕሰን ንኽእል። ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ከም በዓል ሳቫና ዝኣመሰሉ ጫካታት’ውን ምንጪ ዓበይቲ ፋብሪካታት ወረቐት’የን። ኣግራብ ወረቐት ንምስራሕ ጥራይ ከምዘይቊረጹ መቸም ፈሊጥኩም ኣለኹም። ንሕጂ እምበኣር ወረቐት ብኸመይ ከምዝስራሕ ንርአ። መጀመርታ ዓበይቲ ኣግራብ ይቑረጹ። ጨናፍሮምን ኣቕጽልቶምን ተጸልጺሉ ድማ ናብ ፋብሪካ ንኽጓዓዙ ድሉዋት ይኾኑ። ካብኡ ብዓበይቲ መካይን ተጸይሮም ናብ ፋብሪካታት ይበጽሑ። ኣብኡ ድማ ተቖራሪጾም ይዳቐቑ። እቲ ዝተዳቐቐ ዕንጨይቲ ምስ ማይ ተሓዊሱ ብጠሓኒት ማሽን ይጠሓን። ተባዒጡ ከኣ ጭቃ ይመስል። ድሕሪኡ ኣብቲ ባዕጢ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ዘየድልዩ ነገራት ከምዝጸርዩ ይግበር። ነቲ ሓመዳዊ ሕብሩ ንምቕያር ድማ ከሚካል ይኣትዎ። ካብኡ ቀጺሉ ጸፊሕ ቅርጺ ምእንቲ ክህልዎ ብትሕቲ ሮለር (roller) ዝተባህለት ማሽን ይሓልፍ። እቲ ዝድለ ርጒዲ ክሳብ ዝሕዝ ድማ ደጋጊምካ ብትሕቲ ሮለር ተሕልፎ። ዝስዕብ ነቲ ሰፊሕን ጸፊሕን ቆጽሊ ወረቐት ከም ዝነቅጽ ምግባር’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ዝድለ ዓቐን ተቖሪጹ ንጥራውዝቲ፡ መጽሓፍቲ፡ ኣጀንዳታት፡ ካላንደራትን… ካልኦት ዝተፈላለዩ ነገራትን ንምስራሕ ይጠቅም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x