እንቋቝሖ ስለምንታይ’ዩ ዝኣጉል? ንኽንደይ እዋንከ ክቕመጥ ይኽእል?

እንቋቝሖ ከም ዝኣጐለ ብዓይንኻ ወይ ብቐሊል ኣገባብ ክፍለጥ ይከኣልዶ?

– እንቋቝሖ ኣብ እንዕድገሉ እዋን፣ ከም ዘይኣጎለን ከም ዘይተበላሸወን ፈቲሽና ነረጋግጸሎም ኣገባባት ኣለዉ። ቀዳማይ፣ እንቋቝሖ ብኢድ ብምሓዝ ናብ ኣንፈት ጸሓይ
ብምግባር ዝርአ ለውጢ ምዕዛብ እዩ። ካብቲ እንርእዮ ለውጢ ንምጥቃስ፣- ዝኣጐለ እንቋቝሖ ኣስኳል (ብጫ ኽፋል) ኣብ ሓደ ስለ ዝእከብ ናብ ጸሓይ ገጽና ጌርና ኣብ
እንርእየሉ፣ ኣብ ውሽጡ ድሙቕ ብርሃን ኣይንርእን። ዘይኣጎለ እንተኾይኑ ግና እናገማጠልና ምስ እንርእዮ፣ ድሙቕ ብርሃን የርእየና። ካልኣይ፣- ዝኣጐለ ኣስኳል ምንቅስቓስ ስለ ዝገብር ድምጺ ኣሎዎ። ሳልሳይ፣- ኣብ ብዝሒ ዘሎዎ እንቋቝሖ በዞም ኣገባባት ምፍታሽ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን ግና ብናይ ኤለክትሪክ መሳርሒ (candling) ምፍታሹ ዝቐለለ መገዲ እዩ።

 

Credit: ሄኖክ ተኽለ – ክኢላ ምርባሕ እንስሳ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x