እቲ ንእሽቶ ዓርኪ

እታ መዓልቲ ንኣቶ ኣንበሳ ቅርስስቲ መዓልቲ ነበረት። ኣንበሳ፡ ማንቲለ ንምሓዝ ይጎዪ ነበረ። ማንቲለ ዘሊላ እሾኽ ናብ ዝበዝሖ ቦታ ኣተወት። ኣንበሳ እግሪ እግራ ብምስዓብ ናብቲ እሾኽ ኣተወ። እንተኾነ ንማንቲለ ክሕዝ ዝሓሰበ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ኣብ ከብዲ እግሩ በላሕ እሾኽ ኣተወቶ። ብቓንዛ ገዓረ። እናሓንከሰ ድማ ካብቲ እሾኽ ዝበዝሖ ቦታ ወጽአ። ነታ ኣብ እግሩ ዝኣተወት እሾኽ ብኢዱ ከውጽኣ ፈተነ። ከውጽኣ ግን ኣይከኣለን። ብስኑ ስሒቡ ከውጽኣ’ውን ፈቲኑ’ዩ፡ ግና ኣይተዓወተን። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓገዝ ንምርካብ ብዓውታ ጸውዐ። ንብዙሓት እንስሳታት ነታ እሾኽ ከውጽእሉ በብሓደ ሓተቶም። ንሳቶም ግን ኣዝዮም ፈርሑዎ። ኣብ ጥቓኡ ክቐርቡ’ውን ኣይደለዩን። ስለዚ ድማ ንኽሕግዞ ዝቐረበ እንስሳ ኣይነበረን።

ኣንበሳ ንዝስምዖ ዝነበረ ቃንዛ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ኣብ መወዳእታ ድማ ወኻርያ ከተውጽኣሉ ክሓታ ወሰነ። ምስኪንኪን እናበለ “ወኻርያ ሓብተይ ቃንዛ ኣዝዩ ስለዝበርትዓኒ በጃኺ ነዛ እሾኽ ኣውጽእለይ።” በላ። ወኻርያ ብወገና “ኣነ እሾኽ ኣብ ምውጻእ ንፍዕቲ ኣይኮንኩን፡ እንተኾነ ሓደ ንእሽቶ መሓዛ ኣለኒ፡ ንዕኡ ክሓተልካ። ንሱ ንፉዕ ስለዝኾነ ከምዘውጽኣልካ ርግጸኛ’የ።” በለቶ። ኣንበሳ ንዘረባ ወኻርያ ብምስማዕ ተስፋ ገበረ። ክትጽውዓሉ ድማ ለመና። ወኻርያ ግን ሱቕ ኢ ላ ኣይጸወዓትሉን። “ቅድሚ ነቲ ዝበልኩኻ መሓዛይ ምጽውዐይ ሓደ ጠለብ ኣለኒ።” በለቶ። ኣንበሳ እሾኹ ክትወጸሉ ተሃዊኹ ነበረ’ሞ “ጠለብኪ እንታይ’ዩ?” ክብል ብተሃዋኽ ሓተታ። “ጠለበይ መግቢ ወይ ገንዘብ ኣይኮነን። ሓሙሽተ ግዜ ብድሕሬኻ ኮይነ ክቐልዓካ ኣፍቅደለይ።” ክትብል ሓተተቶ። ኣንበሳ ንዘረባ ወኻርያ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተቖጥዐ። “ኣነ መን ምዃነይ ፈሊጥክኒ ኣለኺ ዲኺ? ንስኺስ ንዓይ ክትሃርምኒ! ክንደይ ከ ትደፍሪ ኢኺ!” ክብል ብሕርቃን ኣጉባዕበዐ። ወኻርያ ህድእ ኢላ፡ “ኣንበሳ፡ መን ምዃንካ ኣይጠፍኣንን፡ የግዳስ ንስኻ’ምበር ኣነ ሓገዝ ኣይሓተትኩን። ስለዚ እሾኽ ከውጽኣልካ እንተኾይነ ንኽቐልዓልካ ከተፍቅደለይ ኣለካ። እንተዘይደሊኻ ግን ጸገም የለን፡ ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልካ፡ ቻው።” ኢላቶ ተበገሰት። ኣንበሳ ድንን ኢኡ ሓሰበ።

ርእሱ ብምቕናዕ ከኣ “ሓንሳእ’ሞ ጽንሒ! ሓንሳብ!” በላ። ወኻርያ ተገልቢጣ ጠመተቶ። ኣንበሳ፡ “ኣነ ሕማቕ ስለዘለኹ፡ ንጠለብ ወኻርያ ሰሚዐ እዛ እሾኽ ክትወጸለይ ኣለዋ። ምስ ወጸትለይ ከኣ ነቲ ንእሽቶ መሓዛኣ እበልዖ።” እናበለ ብውሽጡ ሓሲቡ። ስለዚ ድማ ኣንበሳ ብወኻርያ ንኽውቃዕ ተሰማምዐ። ወኻርያ ብድሕሪ ኣንበሳ ተጠውየት። ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ… እናበለት ከኣ ሓሙሽተ ግዜ ብእግራ ቀልዓቶ። ሃሪማ ምስ ወድአት ነቲ ንእሽቶ መሓዛኣ ጸውዓቶ። ጻውዒታ ዝሰምዐ ቅንፍዝ እናነጠረ መጽአ። ቅንፍዝ ነታ እሾኽ ብጥንቃቐ ከይተሸገረ መሰስ ኣበላ። ንኣንበሳ ኣብ ከብዲ እግሩ ዝስምዖ ዝነበረ ቃንዛ ጎደለ። ሓንጎሉ ግን ብሕርቃን ተናዊጹ ነበረ። ብኸመይ ሕነኡ ከም ዝፈዲ’ዩ ዝሓስብ ነይሩ። ሕነ ክፈዲ ብዘይምኽኣሉ ግና ኣዝዩ ሓዘነ። ንቕንፍዝ ክበልዖ ዝኽእል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ቅንፍዝ ዳርጋ ምሉእ ኣካላቱ ‘መስተር’ ብዝበሃል በሊሕ ነገረ ዝተሸፈነ’ዩ። ስለዚ ኣማራጺ ከም ዘይነበሮ ፈለጠ። ብውሽጡ ከይተሓጐሰ ድማ ንብልሓት ወኻርያን ቅንፍዝን ኣድነቐ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x