“ኣእምሮኣዊ ታዕሊም ንዓበይቲ ረብሓ ኣለዎ” ተመራመርቲ

Old couple

ምንቁልቋል ብቕዓት ኣእምሮ፡ ንዓበይቲ ሰባት ዝተማልአ ሂወት ንኸየስተማቕሩ ካብ ዝገብሮም ረቛሒታት ሓደ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድማ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ዓሰርተ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ታዕሊም ልብወት (ኣእምሮ) ምሃብ ንዓሰርተ ዓመት ዝጸንሕ ዝሓሸ ናይ ምሕሳብን ካልእ ንጥፈታትን ኣእምሮ ክህልዎም ከምዝገብር ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ናይ ኣእምሮ ታዕሊም ዝረኸቡን ዘይረኸቡን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብምንጽጻር ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እቶም ታዕሊም ኣእምሮ ዝረኸቡ ሽማግለታት ካብቶም ዘይረኸቡ ንዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ውሑስ ብቕዓት ኣእምሮ – ናይ ምሕሳብን ምዝካርን ክእለት – ከዋህልሉ ከምዝኽኣሉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። እቶም ኣብ እርጋኖም ታዕሊም ኣእምሮ ዘይተዋህቡ ኣረጋውያን ግን ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ንምንቁልቁል ብቕዓት ኣእምሮኦም ዝተቓልዑ ኰይኖም ከምዝተረኽቡ ኣረዲኦም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ብዝሖም 2,832 ኰይኖም ገምጋማዊ ዕድሜኦም ድማ 73.6 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ተመቒሎም’ዮም መጽናዕቲ ክካየደሎም ጸኒሑ። በዚ ከኣ ቀዳመይቲ ጉጅለ ንዝርዝር ቃላት፡ መሳርዕ ነገራትን ጽሟቕ ጽሑፋትን ዘጠቓለለ ናይ ምዝካር ታዕሊም (memory training) ክወሃባ ከሎ፡ ንኻልኣይቲ ጉጅለ ድማ፡ ብተርታ ተሰሪዖም ኣብ ዝርከቡ ነገራት ዘጋጥም ጸገማት ብኸመይ ትፈትሖም ዘድሃበ ናይ ምሕሳብ ታዕሊም (reasoning training) እዩ ተዋሂቡዋ። ሳልሳይ ጉጅለ’ውን ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ጉዳያት (ንኣብነት ብቴለፎን ምዝራብን መኪና ምዝዋርን) ብቕልጡፍ ሓሲብካ ናይ ምምስራሕ ታዕሊም’ያ ወሲዳ። ራብዓይ ጉጅለ ግን ዝዀነ ታዕሊም ዘይረኸበት’ያ። ነቶም ሰለስተ ጉጅለታት ከኣ ንነፍሲ ወከፎም
ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳምንቲ ካብ 60 ክሳብ 75 ደቓይቕ ዝጸንሕ ዓሰርተ ዝተፈላለየ ዓይነት ታዕሊማት ኣእምሮ’ዩ ዝወሃቦም ነይሩ። ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ታዕሊም ድማ እቶም ታዕሊም ዝወሰዱ ጉጀለታት 60 ሚእታዊት ካብኣቶም ብቕዓት ኣእምሮኦም ካብቲ ዝነበሮ ደረጃ ተመሓይሹ ተረኺቡ። ብፍላይ እቶም ናይ ምሕሳብን ብቕልጡፍ ሓሲብካ ናይ ምምስራሕን ታዕሊም ዝወሰዱ ጉጅለታት ዝበለጸ ምምሕያሻት ከምዘርኣዩ እቶም ተመራመርቲ ኣረዲኦም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ መወዳእታ፡ ንሽማግለታት ኣእምሮኦም ዘበራብር ታዕሊም ምሃብ፡ ካብ ምንቁልቋል ብቕዓት ኣእምሮ ስለዝከላኸለሎም፡ ሰባት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወገናት ዝተፈላለየ ታዕሊም ኣእምሮ (Cognitive Training) ክህብዎም ኣዘኻኺሮም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x