ኣብ መኪና ዝርከብ ታኮሜተር ብኸመይ’ዩ ዝሰርሕ

ታኮሜተር ብደገ ክትርእዮ እንከለኻ፡ ብስልኪ ዝተጠቕለለ ማግኔት’ዩ ዝመስል። ብቐንዱ ግን፡ ምስ’ቲ ሞቶረ ክትንስእ እንከሎ ዝንቀሳቐስ ሰናን ዕንክሊል ኣካል ሞቶረ
ተተሓሒዙ ዝርከብ ናይ ኤለትሪክ ጀነሬይተር’ዩ። እቲ መጋዝ መሰል ስኒ ዘለዎ ዕንክሊል ንባዕሉ ካብ ጽሩይ ሓጺን ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ኣስናኑ ናብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ጊቦም ክዞሩ እንከለዉ ንግዜኡ ማግኔታዊ ጠባይ ክሕዙ ግድን’ዩ። እዞም ኣስናን እዚኣቶም ካብ’ቲ ቀዋሚ ማግኔት ክርሕቁ እንከለዉ ድማ ሒዞሞ ዝጸንሑ ማግኔታዊ ጠባይ ከም ዝስእኑዎ ርዱእ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ናይ ምልጋብን ምፍንታትን መስርሕ እምበኣር፡ ንቕርጽን ጽልዋን (Strength) ናይ’ቲ ኣብ ዙርያ ማግኔት ዘሎ ማግኔታዊ ሜዳ (Magnetic Field) ክለዋውጡዎ ባህርያዊ’ዩ።

ተለዋዋጢ ማግኔታዊ ሜዳ ብግደኡ ኤለትሪካዊ ሜዳ ስለዘፍሪ፡ ምንቅስቓስ ናይ’ቲ መጋዝ-መሰል ኣስናን ኣብ ዙርያ’ቲ ማግኔት ኤለትሪካዊ ሜዳ ንኽፍጠር’ዩ ዝድርኽ። እዚ ኤለትሪካዊ ሜዳ ብግደኡ፡ ነቶም ኣብ’ቲ ማግኔት ተጠቕሊሉ ዘሎ ስልኪ ዝርከቡ ተንቀሳቐስቲ ኤለትሪካዊ ምልኣታት (Charges) ጸቕጢ ይገብረሎም’ሞ ኤለትሪክ ከም ዘመንጩ ይገብሩ። ኣብ’ቲ ጥቕላል ስልኪ ተፈጢሩ ዘሎ ዋሕዚ ኤለትሪክ ከኣ ምስ ምልጋብን ምፍንታትን ናይ’ቲ ኣስናን (ካብ’ቲ ማግኔት ምዃኑ’ዩ) ኣንፈት ዋሕዙ ብኡ መጠን’ዩ ዝለዋወጥ። ኣብ መወዳእታ፡ ቅልጣፈ ምንቅስቓስ ኣስናን ክውስኽ እንከሎ፡ ብርተዐ ናይ’ቲ ማግኔታዊ ሜዳ ስለዝውስኽ፡ እቲ ዘመንጭዎ ኤለክትሪካዊ ምልኣት እናለዓለ’ዩ ዝኸይድ። ስለ’ዚ ታኮሜተር፡ ኣብ ድግግም ምልውዋጥ ኣንፈት ዋሕዚ ኤለትሪክ ተመርኲሱ፡ ሞቶረ ብኽንደይ ዝኣክል ፍጥነት ይዘውር ከምዘሎ’ዩ ዝሕብረና።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x