ኣብ ህይወት ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ 10 ነጥብታት

– ወዲ ሰብ ኣብ ናይ ካልኦት ጌጋታት በሊሕ፣ ኣብ ናቱ ግን ጎዲምን ድኹምን’ዩ እሞ ኣብ ናትካ በሊሕ ኩን።

– ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ ድምር ናይ ኩሎም ምርጫታትካ ኢኻ፣ ክትዕወት ቅኑዕ ምርጫ ምረጽ።

– ንዘፍቀሮ ወይ ዝፈተዎ ዓርኪ ዘይኣምን፣ ነብሱ ከተፍቅር ከምእትኽእል ዘይኣምን’ዩ።

– ብናቱ ሓሳብ ተመሪሑ ዘይከይድ ብሓላፍነት ከሕትት ዘኽእል ስራሕ ክሽከም ኣይክእልን’ዩ።

– ለውጢ ከተምጽኣሉ ንዘይትኽእል ነገር ምድካሙ ንግዜኻ ምብኻንን ምቑራስን’ዩ።

– ስራሕ ባዕሉ ስለ ዝዛረብ እዚ ሰሪሐ ከምዚ ጌረ ኢልካ ኣይትጸብጽብ፣ ተጀሃራይ ናይ ስራሕ ሰብ ስለዘይኮነ።

– ብስራሕካ ክትምጎስ ምድላይ ሕማቕ ኣይኮነን፣ ንኽትምጎስ ኢልካ ምስራሕ ግን ሕማቕ ሞራል’ዩ።

– ንገዛእ ርእሱ ዘየፍቅር ንኻልኦት ከፍቕር ከቶ ኣይክእልን’ዩ።

– ወትሩ ክኢላ፣ ሓቀኛ፣ ትሑትን ምእዙዝን ከምዝኾነ ባዕሉ ክሕብር ዝደሊ ሰብ ብኣንጻሩ ንሕማቕ ባህርያቱ ክሽፍን ደልዩ ይዛረብ ከምዘሎ ኣስተውዕል’ሞ ተጠንቀቕ።

– ባህሪ ዝዓደለካ መልክዕ ምጽላእ፣ ፍጡር ምዃንካ ምኽሓድ’ዩ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x