ኣመና ቅንኢ ኣብ ፍቕሪ ነብሰ ምትሓትዶ ወይስ. . .

ቅንኢ እንተዘይበዚሑ ኣብ ጉዕዞ መጻምድቲ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍቕሪ ቀመም’ዩ። ነቲ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዘሎ ፍቕሪ ከኣ ከም ዝዓብን እነናሻዕ ከምዝደምቕን ኣብ ምግባር ዕዙዝ ተራ ይጻወት። እንተኾነ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዝህሉ ምቅንናእ ሚዛናውነት ኣብ ዘጥፋኣሉ እዋን ብፍላይ ከኣ ናብ ኣመና ቅንኢ ኣብ ፍቕሪ ነብሰ ምትሓትዶ ወይስ. . .

ሓደ መጻምድቲ ጥራይ ኣብ ዝዘዝወሉ እዋን ንዕድመ ፍቕሪ ኣጥፊኡ ናብ ዘይተደልየ ባእስን ግርጭትን ከምርሕ ይኽእል። ክቱር ፍቕሪ ምልኣት ፍቕሪ ዘይኮነ ኣብ  ነብስኻን ነብሲ መጻምድኻን እምነት ብምጥፋእ፡ ዝኽሰት ነብሰ ምትሓት እዩ። ብፍላይ ዝኾነ ጭብጢ ከይረኸብካ ኣብ ልዕሊ መጻምድኻ ዝውሰድ ምጥርጣራትን ኣበራትን፡ ንዓኻ ናብ ዘይተደለየ ጭንቀትን ነብሰ ምትሓትን ወሲዱ ንዕድመ ፍቕሪ ዝቖጺ ተግባራት’ዩ። ንኣብነት ገለ ካብ ቀናኣት ዝብልዎ ዘረባታት፡

=> ምሳይ እንከለኺ/ኻ/ ንኻልእ ሰላም ኣይትበሊ/ል/።
=> እዚ ስራሕ ምስ ሰባት ስለ ዘራኽበኪ/ካ/ ስራሕ ግደፍዮ/ፎ/።
=> ዕትብ/ቲ/ ኩን/ኒ/።
=> ስሓቕ ኣይተብዝሕ/ሒ/።
=> መጋየጺ ኣይትጠቀም ኣይትጠቀም/ሚ/።

ኣብ ልዕሊ መጻምድኻ ከምዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ኣበሃህላታት ወይ’ውን ስምዒታት እተዘውትር ወይ’ውን እተዘውትሪ እንተዄንኪ፡ ንዘለኩም ፍቕሪ ናብ ዕንወት
ዘምርሕ ስለዝኾነ ኣብ ሓጺር ግዜ ንኽተቋርጾ ተበገስ። እንተዘየለ ግን ኣብ ልዕሊ ዘለካ ነብሰ-ክብርን ርእሰ ተኣማማንነት ኣጉዲሉ ንመጻኢ’ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት እትረኽቦም ካልኦት መጻምድቲ ሕማቕ ስእሊ ክህልወካ ይኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x