ንደቂ ተባዕትዮ – ከመይ ዓይነት መጻምድቲ ባህ ትብለኩም

– ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ። 83.5 ሚእታዊት ካብ ኣወዳት ሞያ እትውንን ወይ’ውን ኣብ ንጡፍ ስራሕ እትርከብ መጻምድቲ ይመርጹ። – ዕለታዊ ዜና እትከታተልን እዋናዊ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ሓበሬታ እትህብን ጓል ኣንስተይቲ’ውን ይብህጉ።

– 80% ካብ ጠቕላላ ደቂ ተባዕትዮ። ክቱር ፍቕሪ ተለቭዥንን ፊልምን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ከምዘጽልእኦም ይንገር። በዚ ድማ ኣብ ምክትታል ተለቪዥንን ፊልምን ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብላ ጓል ዝለዓለ ጠለብ ኣለዋ።

– ብዙሕ ግዜ ብስልኪ (ተለፎን) ምዕላል እተዘውትር ጓል ብዘመናውያን ደቂ ተባዕትዮ ከም ሓንቲ ወረኛ’ያ
እትቑጸር። ብመሰረት ዝተረኽበ መጽናዕቲ። 78.2 ሚእታዊት ካብ ደቂ ተባዕትዮ። ብዙሕ ግዜ ምስ ተሌፎን እትውዕል መጻምድቲ ኣዝያ ከምእተሕርቖም ይሕብሩ።

– ደቂ ተባዕትዮ ዋላ’ኳ ስፖርት እትፈቱ ጓል ኣዝያ ትስሕቦም እንተኾነት። ነቲ ጸወታ’ምበር ንስፖርተኛታት ክትፈቱ ኣይወሓጠሎምን’ዩ። በዚ ድማ ብስፖርት እምበር ብስፖርተኛታት እትማረኽ ጓል ኣይመርጹን።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x