ንቡር ምዕባለታት ህጻን

ሓደ ህጻን ምስ ተወልደ ዝተፈላለዩ ምዕባለታት እናርኣየ ይዓቢ። ኣካላዊ፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምዕባለ እናተባህለ ከኣ ይከፋፈል። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ወይ ዓመት ከኣ እዞም ምዕባለታት ሓቢሮም ይርኣዩ። በቲ ንቡር ዕብየት ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ተመሳሳሊ ምዕባለ የርእዩ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ወይ ሕማማት ሓደ ህጻን ካብቲ ንቡር ምዕባለ ክደናጐ ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ንቡር ምዕባለታት ህጻን ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ንመልከት። 1ይ-2ይ ወርሒ፡ ህጻን ርእሱ ክስከማ ወይ ክስፍስፋ ይጅምር። ኣብ ከባቢኡ ንዝሰምዖ ድምጺ ይምልስ። ንኣብነት ዓውታ ድምጺ ምስ ዝሰምዕ ክስንብድ ይርአ። ኣብ ቅድሚኡ ንዘሎ ድማ ቀው ኢሉ ይጥምት። ፍሽኽ ከኣ ይብል።

3ይ ወርሒ፡ ህጻን ርእሱ ይስከማ፡ ፍሽኽ ክብልን ክስሕቕን ይስማዕ። ኣብ ከባቢኡ ንዝርእዮም ነገራት ክስዕቦም ይፍትን። ንኣብነት ዝኾነ ነገር ኣብ ልዕሊኡ ንየማን ጸጋም ምስ ተንቀሳቕሳ፡ ኣዒንቱ ንየማን ጸጋም የብለን። 4ይ-5ይ ወርሒ፡ ህጻን ከንከባልል ይጅምር። ዓው ኢሉ ክስሕቕ ይኽእል። ኣብ ጥቓኡ ንዘለዉ ነገራት ክጎትት ወይ ክስሕብ ይፍትን። ብከብዲ ኢዱ ክሕዝ ይፍትን። ምስ ኢዱን እግሩን ብምጽዋት ከኣ ነፍሱ የዘናግዕ። ኣኣ. . . ፣ ያያ.. . ወይ ጉርጉዐ ዘለዎ ድምጺ ከማዕብል ይጅምር። ገጽ ሰባት ከለሊ ይጅምር። ንኣብነት ገጽ ኣባል ስድራ ከጽንዕ ይጅምር። 6ይ ወርሒ፡ ባዕሉ ኮፍ ክብል ይጅምር። ነገራት ክርኢ ወይ ድምጺ ምስ ዝሰምዕ ክሳዱ ክጠዊ ይኽእል። ኣብ ቀረብኡ ንዘለዉ ክሕዝን ኣብ ኣፉ ክእቱን ይጅምር።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x