ንምንታይ ኣቚጽልቲ ቀጠልያ ሕብሪ ኣልዎም?

ኣቚጽልቲ ናይ ጸሓይ ብርሃን ተጠቒሞም ነታ ተኽሊ ዝኸውን መግቢ የዳልዉ። እዚ መስርሕ ‘ፎቶስንተሲስ’ ይበሃል። ጩራ ጸሓይ ናብ ቆጽሊ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ውሽጣ ዝርከብ ‘ክሎሮፕላስት’ ዝብሃል ባእታ፡ ‘ካርቦንዳይኦክሳይድ’(Co2)፡ ማይን ጸሓይ ብርሃንን ብምውህሃድ ኦክስጅንን ግሉኮዝ ዝተባህለ መግብን ይሰርሕ። ኣብዚ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ክሎሮፕላስት ዝርከብ ‘ክሎሮፊል’ ዝተባህለ ባእታ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። እዚ ክሎሮፊል ዝተባህለ ባእታ’ዩ’ምበኣር ኣቚጽልቲ ቀጠልያ ሕብሪ ከምዝህልዎም ዝገብር። ከም ዝፍለጥ ኣብ ግዜ ክረምቲ መዓልቲ ካብ ለይቲ ይነውሕ። ስለዚ ኣቚጽልቲ ብዙሕ ጸሓይ ብርሃን ይረኽቡ ማለት’ዩ። ቀጠልያ ሕብሪ ከኣ ይህልዎም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እቲ ክሎሮፊል ዝበሃል ባእታ ስለዝበዝሕ’ዩ። ብሓጺሩ ኣብ ሓንቲ ቆጽሊ ክሎሮፊል ክበዝሕ ከሎ እታ ቆጽሊ ድሙቕ ቀጠልያ ሕብሪ ይህልዋ። ክሎሮፊል ክውሕድ ከሎ ድማ እቲ ሕብሪ ናብ ብጫ ወይ ሃሳስ ቀይሕ ይቕየር። ኣብ ዝዀነ ቆጽሊ ብዙሓት ዓይነት ሕብርታት’ዮም ዘለዉ። እቲ ቀጠልያ ስለ ዝዕብልል ግን ቀጠልያ ጥራይ ይመስሉና። ክሎሮፊል ምስ ዝጐድል ግና እቲ ቀጠልያ እናጠፍአ እቶም ካልኦት ሕብርታት ድማ እናተራእዩ ይኸዱ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x