ትምህርቲ ካብ ንስሪ

Free White Tailed Eagle Fish photo and picture

ንስሪ ዝሞተ እንስሳ ኣይበልዕን’ዩ። ሃዲኑ ሓድሽ መግቢ ኢዩ ዝምገብ፡ ከም በዓል ኣሞራ ዝኣመሰሉ ፍጡራት ግን ዝሞተ ገንቢ ይበልዑ እዮም። ንስኻ’ውን፡ ንኣዒንትኻን ኣእዛንካን እንታይ ከም እትምግቦ ዘሎኻ ኣስተውዕል፡ ብቴለቭዥንን ኢንተርነትን ዝፍኖ ዘሎ መደባት ንሓንጎልካ ይብርዞ ከይህሉ ተጠንቀቕ። ዝኣረገን ግዚኡ ዘሕለፈን ትምህርቲ ካብ ንስሪ ሓበሬታ ንምገብ ከይንህሉ ንነብስና ኣብ ትምህርቲ ጸሚድና ንሓንጐልና ሓድሽ ሓበሬታ ንመግቦ።

ምህሮ ቁጽሪ 4

Free Nature Water photo and picture

ህቦቡላ እቲ ብንስሪ ኣዝዩ ፍቱው ነገር እዩ። ብርቱዕ ህቦቡላ ክመጽእ እንከሎ ንስሪ ኣዝዩ እዩ ዝሕጐስ። ምኽንያቱ ነቲ ህቦብላ ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ልዕሊ ደበና ኣኽናፉ ብምዝርጋሕ ተሓጒሱ በጥ ኢሉ ከንሳፍፍ ስለ ዝጥቀመሉ ኢዩ። ንስሪ ኣብ ከምዚ ናይ ምዝናይ ኩነት እንከሎ ካልኦት ኣዕዋፍ ግን ነብሶም ከድሕኑ ኣብ ትሕቲ ኣቑጽልትን ጨናፍር ናይ ኣግራብን ኢዮም ክሕብኡ ዝጎዩ። ህቦቡላ ናይ ህይወት ከጋጥመካ እንከሎ ከም ጽቡቕ ዕድል ንዕብየትን ብራኸን ተጠቐመሉ። ዕዉታት ሰባት ካብ ተረርቲ ብድሆታት ኣርባሕቲ ዕድላት ኢዮም ዝፈጥሩ።

ምህሮ ቁጽሪ 5

Free Bald Eagles photo and picture

ኣንስተይቲ ንስሪ መጻምድቲ ክትመርጽ እንከላ ነቲ መጻምድታ ክኸውን ሓጽያቶ ዘላ ቅድም ትፍትኖ እያ። ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ወሪዳ ጨንገር ናይ ገረብ ትማላእ እሞ፡ ምስቲ ደድሕሪኣ ዝስዕባ ዘሎ ተባዕታይ ንስሪ ናብ ሰማይ ብምድያብ ነታ ሒዛታ ዝመጸት ጨንገር ናብ ኣየር ትፍንዋ። እቲ ተባዕታይ ንስሪ ንታሕቲ ተነቚቱ ቅድሚ እታ ጨንገር ናብ ምድሪ ምዕላባ ቆሊቡ ሒዙላ ናብ ሰማይ ይምለስ። እታ ኣንስተይቲ ብራኸ እናወሰኸት ደጋጊማ ነታ ጨንገር ትድርብያ እቲ ተባዕታይ ከኣ ደጋጊሙ ቈሊቡ የምጽኣላ። ክሳብ ናይ ምንስፋፍ ክእለቱን ተወፋይነቱን ዘዕግባ ደጋጊማ ትፍትኖ። እቲ ተባዕታይ ንስሪ ነዚ ኹሉ ፈተና ሓሊፉ ብቑዕ ኮይኑ ምስ ተረኽበ’ዩ መጻምድታ ክኸውን ተፍቅደሉ። ኣብ ውልቃዊ ኰነ ንግዳዊ ሽርክነትና ቅድሚ ንሰባት ተቐዳዲምና ምእማንና ንመሻርኽትና ብዝተፈላለየ ናይ እምነት ፈተናታት ክነሕልፎም ኣሎና።

ምህሮ ቁጽሪ 6

Free Eagles Nest Flying photo and picture

ግዜ ምውላድ እንቋቚሖ ምስ በጽሐ እቶም ኣንስተይትን ተባዕታይን ንስሪ ከም በዓል ኣሞራ ደቀቕቲ እንስሳታት ኣብ ክበጽሕዎ ዘይክእሉ ብራኸ ኣብ ጫፍ ጸድፊ ሰፈር የዳልዉ። እቲ ተባዕታይ ናብ ምድሪ ብምብራር እሾኽ ሒዙ ብምምጻእ ኣብቲ ከም ሰፈር ጨቓዊት ክኸውን ሓሲብዎ ዘሎ ቦታ የንብሮ። እንደገና ናብ ምድሪ ብምብራር ከኣ ልስልስ ዝበለ ጨንፈር ናይ ገረብ ሒዙ ይምለስ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ እሾኽ ይጽፍጽፎ። ተመሊሱ ከኣ እሾኽ ሒዙ ንላዕሊ ብምድያብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲሙ ዘምጽኦ ልስሉስ ጨንፈር ናይ ገረብ የቐምጦ እሞ፡ እንደገና ናብ ታሕቲ ተነቚቱ ከኣ ልስሉስ ሳዕሪ ሒዙ ብምድያብ ኣብ ልዕሊ እቲ እሾኽ የንብሮ። እቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ ምንጻፍ ምስ ዛዘመ ከም እንደገና ካብ ታሕቲ ብዝሕ ዝበለ እሾኽ ሒዙ ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ጨቓዊት የንጽፎ። ጸኒሑ ከኣ ብልስሉስ ሳዕሪ ነቲ እሾኽ ሸፊኑ፡ ኣብ መወዳእታ ክንቲቱ ብምምዝሓቕ፡ ሰፈር እንቋቚሖ ከተውድቐላ ከም እትኽእል ገይሩ ብምምችቻእ ንኣገልግሎት ድሉውቲ ይገብራ። እቲ ነታ ሰፈር ብደገ ከሊልዎ ዝርከብ እሾኽ ካብ ሃንደፍ ኢሉ ዝመጽእ ተጻባኢ ክከላኸለሉ እንከሎ፡ ክልቲኦም ንስርታት ከኣ ነታ ብሕጂ እትቐውም ናይ ንስሪ ስድራ ዘድሊ ነገራት ኣብ ምቕራብ ብማዕረ ይሳተፉ። ሰፈር ምስራሕን ሃድንን ነቲ ተባዕታይ ክምልከት እንከሎ፡ ምውላድ እንቋቑሖን ምስ ተጫጭሑ ምክትታልን ምክንኻንን ከኣ ሓላፍነት ናይ እታ ኣንስተይቲ ንስሪ ይኸውን። እቶም ጨቓዊት ምንፋር ዝላመዱሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ እታ ኣደ ኰነ ኢላ ካብቲ ሰፈር ተጽድፎም። እቶም ጨቓዊት ከኣ ስለ ዝፈርሑ ነጢሮም ናብ እቲ ሰፈር ይምለሱ። ጸኒሓ ከኣ ከም እንደገና ናብ ኣየር ትስንድዎም። ነቲ ኣብቲ ሰፈር ዝርከብ እሾኽ ሸፊንዎ ዝነበረ ሳዕሪ ትኣልዮ። እዞም ውልዶ ንስሪ ፈሪሖም ናብቲ ሰፈር ምስ ተመልሱ እቲ እሾኽ ስለ ዝወግኦም እናወጨጩን እናደመዩን ነጢሮም ካብቲ ሰፈር ይወጹ። ምናልባት ስለምንታይ ግን እዞም ኣቦን ኣደን ነቶም ኣዝዮም ዘፍቅሩዎም ደቆም ከምዚ ገይሮም የሳቕይዎም ኢልና ንሓትት ንኸውን። እቲ መልሲ ግን ወለዲ ንደቆም ክምህርዎም ዝደልዪ ናይ ህይወት ትምህርቲ ስለ ዘሎ እዩ። መሊሳ እታ ኣደ ነቶም ደቃ ናብቲ ሃው ዝበለ ጸድፊ ትድርብዮም። እቲ ኣቦ ከኣ ነቶም ብፍርሒ ዝውጭጩ ደቁ ቅድሚ ናብ ባይታ ምዕላቦም ኣብ ዝባኑ ተቐቢሉ ናብ ላዕሊ ይመልሶም። እዚ ተርእዮ ክሳብ እቶም ጨቓዊት በቶም ንኣሽቱ ኣኽናፎም ምንብድባድ ዝኽእሉ ይቕጽል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምብራር ይላመዱን ክበሩ ስለ ዝኸኣሉ ከኣ ፍሉይ ሓጐስ ይስምዖምን። እቲ ምስራሕን ምድላውን ናይ ሰፈር ንለውጢ ክንዳሎ ክምህረና እንከሎ፡ ምድላው ንምቛም ሓዳስ ስድራ ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ናይ ክልቲኦም ተጻመድቲ ናብ ዓወት ከም ዘምርሕ ይምህረና። ብእሾኽ ምውጋእ ከኣ ምቾት ዘለዎ ናብራ ዝህበና ተመኩሮ ናይ ህይወትን ትምህርትን ከም ዘይብሉ፡ ካብቲ ንግዚኡ ኣዕቊቡና ዘሎ ሰፈር ክንወጽእን ክንዓብን ግድን ብእሾኽ ናይ ህይወት ክንውጋእን ክንደምን ከም ዘሎና ይምህረና። እቶም ዘፍቅሩና ሰባት ብትህኪት ማሲንና ክንነብር ስለ ዘይደልዩ ናብቲ ክንዓብየሉን ክንብልጽገሉን እንኽእል ኣንፈት ኣትሪሮም ይደፍኡና ኢዮም። ምናልባት ከይተረዳኣና ዘሳቕዩና ዘለዉ ክመስለና ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ኣረኣእያ ግን ንጽቡቕና ኢዩ።

ምህሮ ቁጽሪ 7

Plumage Transformation of Bald Eagles: From Juvenile to Adult

ንስሪ ዕድመ እናደፍአ ክኸይድ እንከሎ ክንቲቱ ስለ ዝኣርግ ከም ቅድሚ ሕጂ ብፍጥነት ዝበሮ ዝነበረ ክበርር ኣይክእልን ኢዩ። ኣብቲ ደኺመን ሓሚቐን ኣለኹ ኢሉ ዝሓሰበሉ ግዜ ካብ ስድራቤቱን ፈተውቱን ተፈልዩ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ኣኻውሕ ዝርከበሉ ቦታ ይኸይድ። ኣብቲ ዝደልዮ ቦታ ምስ በጽሐ ክሳብ ዕርቃኑ ዝወጽእ ነቲ ኣረጊት ክንቲቱ ባዕሉ ይምንቁሶ። ክሳብ ሓድሽ ክንቲት ዝበቑለሉ ከኣ ኣብታ መሕብኢቱ ይጸንሕ። ኣብ መወዳእታ ምስ በቖለሉ ከም እንደገና ተሓዲሱ ናብ ብጾቱ ይጽንበር። ንሕና’ውን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናይ ህይወት ነቶም ከይንዓቢ ዝኽልክሉና ባህርያትና ምሒቚና ብምድርባይ፡ ሓድሽ ሃናጺ ጠባይ ኣማዕቢልና ከም ብሓድሽ ተሓዲስና ህይወት ክንቅጽል ከም ዘሎና ንመሃር። ኢዮቤል ቴድሮስ ትሬዠሪ ዞባ ማእከል

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x