ትምህርቲ ካብ ንስሪ

ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍልይ ዘብሎ ብልሒ ኣእምሮኡ እዩ። ኩሎም ፍጡራት ከባቢኦም ናብ ጥቕሞም ዘውዕልሉ ሜላ ከም ዘለዎም ዘይዝንጋዕ’ኳ እንተዀነ፡ ናይ ወዲ ሰብ ግን ሓለፋ ኣለዎ። ወትሩ ንባህሪ ኣብ ምንባብን ምጽናዕን’ዩ ዝጽመድ ወዲ ሰብ። እስከ ካብ ንስሪ እንታይ ክንመሃር ንኽእል? ኢልና ንሕሰብ።

ምህሮ ቁጽሪ 1

Free Eagle Predator photo and picture

ንስሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ልዑል ብራኸ ምብራር’ዩ ዝብርሆ። ኣብቲ ንስሪ ዝበጽሖ ብራኸ ዝኾነ ኣሞራን ካልእ ዓሌት ኣዕዋፍን ክበጽሕዎ ኣይክእሉን ኢዮም። በቃ ንስሪ ጥራይ’ዩ ኣብ ጫፍ ሰማያት ከም ድልየቱ ከንሳፍፍ ዝኽእል። ንስኻ ከኣ ልክዕ ከም ንስሪ ናብ ጫፍ ሕልምኻ ክትበጽሕ ምስ ከም ናትካ ሕልሚ ዘለዎም ሰባት ተመሓዞ። ኣብ ልዑል ብራኸ ክበሩ ምስ ዘይክእሉ ከም በዓል ኣሞራን ኳኽን ኣይትኺድ፡ ንስሪ ምስ ንስሪ’ዩ ዝበርር።

ምህሮ ቁጽሪ 2

Free Bald Eagle Bird photo and picture

ንስሪ ትኩራት ኣዒንቲ ኢየን ዘለዋኦ፡ ካብ ዓሌት ኣዕዋፍ ከም ናይ ንስሪ ናይ ምርኣይ ክእለት ዝተዓደሎ የለን። ንስሪ ኣብ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ብራኸ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ግዳዩ ብዝግባእ ክርእዮ ይኽእል። ኣዒንቲ ንስሪ ኣጽቢበን ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይ ምስ ዓለባ ናብ ካልእ ኣየተኩራን ኢየን። ዝኾነ መስገድላትን ዕንቅፋትን ዋላ የጋጥመካ ንኣዒንትኻ ካብቲ ክትበጽሖን ክትጭብጦን እትደሊ ምዕራፍ ኣይተልግሰን። ሓደ እዋን ሓደ ለባም ንሰለስተ ተማሃሮኡ ከመይ ገይርካ ቀስቲ ትውርውርን ዕላማኻ ከኣ ብግቡእ ትሃርምን ክምህሮም ሒዝዎም ንበረኻ ከደ። ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምስ በጽሑ ነታ ኣብ ጫፍ ናይ ገረብ ዝነበረት ዑፍ ከም ዒላማ ገይሮም ክሃርምዋ ነገሮም። ነቲ ቀዳማይ ተመሃራይ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ ኢሉ ብዝሓተቶ፡ “ዓቢ ጎቦ፡ ሩባ፡ ገረብ ኣብ ጫፋ ከኣ ሓንቲ ዑፍ ይርኢ ኣለኹ” ክብል መለሰ። ካልኣይ ተመሃራይ’ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ተሓተተ “ነዊሕ ገረብን ኣብቲ ጨንፈራ ከኣ ሓንቲ ዑፍ ይርኢ ኣለኹ” ኢሉ መለሰ። ሳልሳይ ተሓታቲ “ብዘይካ ዓይኒ ናይታ ዑፍ ዝኾነ ነገር ይረኣየኒ የለን” ኢሉ መልሱ ሃበ። እቲ መምህር ቀስቶም ክውርውሩ ምስ ኣዘዘ እታ ዑፍ ዓይና ተሃሪማ ወደቐት። መኖም ከም ዝሃረማ ከኣ ርዱእ ነበረ።

ምህሮ ቁጽሪ 3

Free White Tailed Eagle Fish photo and picture

1
0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x