ብስለት እንታይ’ዩ?

ብቐንዱ ብስለት ውጽኢት ንቕሓትን ሰፊሕ መረዳእታን እዩ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ኣብ ግብራዊ ተመክሮን ሓቅን ዝተመርኰሰ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ፡ እምነት፡ ቅድመ ፍርድን ስምዒትን ሓራ ምስ እትኸውን ብሱል ኣመለኻኽታ ክህልወካ ይኽእል። ብሱል ሰብ ንኽትበሃል ናይ ግድን ዕድመ ዝበላዕካ ክትከውን ኣለካ ማለት ኣይኰነን። ብስለት ናይ ብዙሕ ረቛሒታት ድምር እዩ። ዕድመ፡ ንቕሓት፡ ብልሒ፡ ናይ ምውሳን ዓቕሚ ካልኦት ረቛሒታት ተደሚሮም’ዮም ብሱል ሰብ ዝገብሩኻ። ተመራመርቲ’ዚ ዓውዲ ደረጃ ብስለት ዝዕቅን ረቛሒታት ኣንቢሮም ኣለዉ፦

 – ኣብ ክውንነት ምእማንን ኣብ ሓቅታት ምምርኳስን

 – ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ዝሃብካዮም ኣጉል እምነት፡ ግጉይ መረዳእታ፡ ቅድመ ፍርድን ግምታዊ ጠባያትን ብወድዓውነት መርሚርካ ምጉሓፍ

 – ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብርትዒ ምሕሳብ፡ ንስምዒትን ርትዕን ፈላሊኻ ብምፍላጥ ንኽልቲኦም ኣብ ህይወትካን ቀዳምነታትካን ግቡእ ቦትኦም ምትሓዝ።

 – ኣቀራርባኻ ኣልዝብ ኣቢልካ ከተእምን ምኽኣል፡ ማእከል ስሕበት ክትከውን ከይደለኻ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ምሕዝነት ምምስራት፡ ፍሽለት ከይፈራሕካ ውጥናትካ ምትግባር

 – ኣብ ክንዲ ነቓጽን ንፍርዲ ዝህውኽን ዓይነት ሰብ ትኸውን ተዓጻጻፊ በዓል ክፉት ኣእምሮ ክትከውንን፡ ንሓድሽ ኩነት ምልምማድ፡ ንሓድሽ ፍልጠትን ሜላን ድማ ተቐባሊ ክትከውን ምኽኣል

 – ሓታትን ዳህሳስን ብምዃን ሕቡእ ተኽእሎታትን ዕድላትን ምፍታሽ፡ ከየመዛዘንካ ዘይምድምዳም፡ ሓላፍነታዊ ምዃን

 – ኣጋጣሚታት ህይወት ንዝኽሰተሉ ቦታን ግዜን ከም ዝመስሉ ፈሊጥካ ኣቐዲምካ ብዝቓነኻዮ ወይ ብልሙድ ግብረ

 -መልሲ ክትምልሰሎም ዘይምፍታን

 – ንኹሉ ገጻት ህይወት ክትሕጐሰሉን ከተስተማቕሮን ምኽኣል

 – ኣየናይ’ዩ ክትገብሮን ክትጭብጦን ዝከኣል? ኣየናይ እዩ’ኸ ዘይክኣል? ፈሊጥካ ምርዳእ

 – ብዛዕባ ነብስኻ ዝተጋነነ ምስሊ ዘይምሓዝ፡ ከም ኩሉ ሰብ ድኽመታት ከም ዘለካ ምእማን፡ ርእይቶ ሰባት ምኽባር

 – ፍርሒ፡ ሻቕሎት፡ ጭንቀት፡ ኣብ ዝስምዓካ እዋን ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮ ምፍላጥ ይብሉ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x