ስእነት ድቃስ ዝተሳቐየ መንእሰይ

ብሪጣንያዊ ጀሰን ኖክ ብስእነት ድቃስ ካብ ዝሳቐ ሓያሎ መዓልታት ኣቚጺሩ ነበረ። ሕማሙ ንምፍዋስ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ሕክምና ናብ ኢንተርነት’ዩ ኣምሪሑ።  መገዲ መርበብ ኢንተርነት ድማ ነቲ “መድሃኒት” ክለኣኸሉ ጠለበ። ፍርያታ ብመገዲ ኢንተርነት ተወዓውዕ ትካል ብወገና ኤች-7921 ዝዓነቱ ኣደንዛዚ ፈውሲ ለኣኸትሉ። ይኹን’ምበር ንሱ ነቲ ብመገዲ ኢንተርነት ዝገዝኦ መድሃኒት ከየረጋገጸ ብልዑል ዓቐን ክወስዶ’ዩ ተራእዩ።

እቲ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ “ከድሕነኒ” ኢሉ ዝሓሰቦ መድሃኒት ግን ብኣንጻሩ’ዩ ኮይኑ። ጀሰን ነቲ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ዓሚቕ ድቃስ ከምዝኣተወን ብኡ ኣቢሉ ከይተሰአ ከምዝተረፈን ሓቢራ። ሬሳኡ ብዝተመርመረ ድማ ጠንቂ ሞቱ እቲ ብመገዲ ኢንተርነት ዝገዝኦ መድሃኒት ኮይኑ ጸኒሑ። እንተ’ታ ነቲ መድሃኒት ዘፍረየት ትካል ብቕትለት ሰብ ከይተኸሰሰት ከምዘይትተርፍ’ዩ ዝግለጽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x