ሳዕቤናት ልዕሊ ዓቐን ምስታይ

 ልዕሊ ዓቐን ሻሂ 

ኣብ ዴትሮይት እትቕመጥ ጓል 47 ዓመት ኣደ ብዝሒ (ልዕሊ ዓቐን) ሻሂ ብምስታይ ስከሌታል ፍሉሮሲስ (skeletal fluorosis) ዝበሃል ሕማም ኣዕጽምቲ ብምጥራያ ኣርእስቲ ሰሪሓ። እታ ሰበይቲ ኣስናና ንእለት ብምሉኡ ረገፈ። እዚ ስከሌታል ፍሉሮሲስ ዝበሃል ሕማም ዓጽሚ፡ ንመላጋግቦ ዘትርር(ዘድርቕ)፡ ቃንዛ ኣዕጽምቲ ዘስዕብን ኣስናን ብቐሊሉ ዘርግፍን ሕማም’ዩ። ፍሎራይድ ዝበሃል ማዕድን ከይበዝሐ ብዓቐን እንተደኣ ተወሲዱ ጥቕሚ’ለዎ። ይኹን’ምበር እዛ ሰበይቲ እቲ ንኣስታት 17 ዓመት ዝወሰደቶ ልዕሊ 100 ከረጺት ቀጠፍ’ዩ ናብ ጸገም ኣውዲቑዋ። እቶም ዝከታተሉዋ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ግና ምስቲ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ሓደጋ፡ ሻሂ ብብዝሒ ምስታይ በብቕሩብ እናኣቋረጸቶን ብኻልእ ፈሳሲ እናተካኣቶን እንተደኣመጺኣ ምስ ግዜ ክትሓዊ ከምእትኽእል ተስፋ ሂቦማ ኣለዉ። 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x