ሰላጣ ካውሎ ካቡቺ

ዓቐን
– 1 ንእስ ዝበለ ካውሎ ካቡቺ
– 3 ኮመደረ ንቑመት ዝተመትረ
– 1 ጉዕ በርበረ ንቑመት ዝተመትረ
– 1/2 ማንካ ሻሂ ጨው
– 1/2 ማንካ ሻሂ በርበረ
– ቀመም ሰላጣ

ኣገባብ

ነቲ ካውሎ ኣድቂቕና ብቑመት መቲርና ሓጺብና ኣብ መዝፈፍ ማይ ጌርና ካብ ማዩ ነጽፍፎ። ቀጺልና ካውሎ ኮመደረ፣ ጉዕ በርበረ፣ ጨው፣ በርበረ ጸሊምን ቀመም ሰላጣን ጌርና ኣወሃሂድና ንመግቢ ንቕርቦ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x