ምንቅጥቃጥ መሬት

ነቶም ኣብ ታሕቲ (ባይታ) ዝርከቡ ሰባት ዝስመዖም ስምዒት እዩ ዝኽሰቶ። ምንቅጥቃጥ መሬት ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ፈኲስ – ደዝደዝታን ድምጽን ፈጢሩ ክሓልፍ ከሎ፡ እቲ ብርትዕ ዝበለን ካብኡ ዝበርትዐን ድማ፡ ከከም ደረጃታቱ፡ ንኣብነት – ኣብ ጽርግያ ዝጸንሓ መካይን ነንሓድሕደን ይጋጨዋ፡ ኣዕኑድ ኤለክትሪክን መስመራት ቴሌፎንን ይወድቁ፡ ህንጻታትን ኣባይትን ይዓንዉ፡ ጽርግያታት፡ ዲጋታት፡ ቢንቶታት፡ ሓጽብታት. . . ይፈርሱ። መዐቀኒ ደረጃ ምንቅጥቃጥ መሬት “ሬክተር ስኬል” ይበሃል። ትሕቲ ሽዱሽተ ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ብዙሕ ጉድኣት ዘየስዕብ ክኸውን ከሎ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ግን እቲ ከቢድ ዕንወት ዘስዕብ እዩ። ኣብ ዓለምና ካብተን ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘጋጥመን ሃገራት፡ እተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ኮይነን። ብፍላይ ድማ ነተን ብጂኦግራፍያዊ ኣጸዋውዓ ብ’ዓንኬል ሓዊ’ (ring of fire) ዝፍለጣ ክፋል ዓለምና የጥቅዕ። ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሃገርና ከም ተርእዮ ኣሎ’ኳ እንተተባህለ፡ ከም ናይዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝመጣጠን ወይ ብዙሕ ዝጋነን ሓደጋታት ግን ኣየጋጠመን ክበሃል ይከኣል። ከም ተርእዮ ግን ሳሕቲ ብትሑት ደረጃ ከምዘጋጥም ይፍለጥ። ወዲ-ሰብ ክሳብ ሕጂ በዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፡ ንምንቅጥቃጥ መሬት ደው ከብል ፈጺሙ ኣይከኣለን ዘሎ። ደው ክብል ዘይከኣል ካብ ኮነ ደኣ – ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ ንድሕነቱ ክከላኸል ዝኽእል ምስ እንብል፦ ኣብቲ ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝረኣየሉ ከባቢ ዝሰፍር ህዝቢ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ዓድታት ማለት – ካብቲ ተርእዮ ናይ’ዚ ሓደጋ ዘጋጥመሉ ቦታ ኣርሒቕካ ብምስፋር፣ ነቲ ዝህነጽ ኣባይቲ ኣብ ግዜ ሓደጋ ብዙሕ ብዘይሃሲ ፈኮስቲ ነገራት ከም ዝህነጽ ብምግባር፡ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ከነጉድሎ ንኽእል።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x