መሰረታውያን ሕጊታት ክላሲክ መካኒክስ

ክላሲክ መካኒክስ ካብቶም ዓበይቲ ኣዕኑድ ዓውዲ ፊዚክስ “መካኒክስ” እዩ፣ መካኒክስ ንኣምር ምንቅስቓስ ነገራት ይገልጽ፣ እቶም ናይ ክላሲካል መካኒክስ መሰረታውያን ሕጊታት። ሕጊታት ምንቅስቓስ ኒውቶን እዮም፣ ሰለስተ ህቡባት ሕጊታት ኒውቶን። ንጽልዋ ሓደ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ተንቀሳቓሲ ኣካል ይገልጹ፣ ብተወሳኺ ንሚዛን ናይቲ ጽልዋ ምስ ምልውዋጥ ፍጥነት ናይቲ ኣካል የዛምዱ፣

ሰር ኣይዛክ ኒውቶን ነዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ሕጊታት’ዩ ኣቝሙ፥

– ኣብ ዕረፍቲ ዝርከብ ግዛዕ። ኣብ ርእሲኡ ካልእ ሓይሊ ክሳብ ዘይተዋስአ ኣብ ዕረፍቲ ይጸንሕ፤ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ግዛዕ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ካልእ ሓይሊ ክሳብ ዘይተዋስአ ፍጥነቱ ኣይቅይርን፣

 – ድፍኢት (ሞመንተም) ኣብ ሓደ ፍጻሜ ዝኽሰት ናይ ምንቅስቓስ ድፍኢት እዩ፣ ናይ ሓደ ዝንቀሳቐስ ኣካል ርባሕ ፍጥነቱን ርዝነቱን ድማ እዩ፣ ኒውቶን ኣብ ካልኣይ ሕጉ እምበኣር። “ኣብ ሓደ ኣካል ዝዋሳእ ሓይሊ። ምስቲ ኣብ ድፍኢት ዝፈጥሮ መጠን ለውጢ ማዕረ እዩ” ይብል፣ (F= dp/dt)

– ንዅሉ ኣብ ልዕሊ ካልእ ነገር ዝዋሳእ ሓይሊ። ተመሳሳሊ ዓቐን ሓይሊ ዘሎዎ ተጻብኦ ብኣንጻሩ ይገጥሞ እዩ፣ (To every action there is an equal and opposite reaction)

እዞም ሰለስተ ሕጊታት ምንቅስቓስ ዓሚቝ ትርጕም ዘሎዎም ኰይኖም። ንዝተፈላለየ ዓይነት ምንቅስቓስ ክንፈልጦን ክንርድኦን የኽእሉና፣ እዞም ሕጊታት ንቕናት ፕላኔታት ክንፈልጥ። መንኰርኰር ናብ ህዋ ክንልእኽ። ንብዙሕ ስራሓት ዘገልግለና ማሽናት ክንነድፍ ካልእ ዓበይቲን ብዙሓትን ንኽስርሑ ኣኽኢሉ፣

ክላሲካል መካኒክስ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ወዲ-ሰብ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣሎዎ፣ ንመብዛሕትኦም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝገጥሙና መስርሓት። ክገልጾም ይኽእል፣ ኣብ ማሽናት። ክፋላት ማሽናት። ስፖርት። መካኒካል መስርሓት ንድፊ ምግባር። … ወዘተ.፣ ብተወሳኺ ኣብ ዓበይቲ ስራሓት ከም መንኰርኰራት ጠፈርን ሳተላይታትን መሰረታውያን ሕጊታት ክላሲካል መካኒክስ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም፣ እዞም ሕጊታት ናብ ዝተፈላለየ ቅርጺን ኣገባብን እናተቐያየሩ ክመጽኡ ጸኒሖም፣ ኒውቶንያዊ መካኒክስ። ላግራንጊያናዊ መካኒክስ። ሃሚልቶንያዊ መካኒክስ … ገለ ካብቶም ንብዙሕ ሕቶታት ዝመለሱ ኣገባባት እዮም፣

– ኵዕሶ ኣብ ኣየር ከም እተንሳፍፍ ምግባር ሓደ ካብ ኣብነታት ክልሰ-ሓሳብ በርኖኡሊ እዩ፣

 – ማኪና ብክሪክ ተሓጊዝካ ብቕልጽምካ ሓፍ ከተብላ እንከላኻ። ንሕጊ ፓስካል ኢኻ ኣብ ግብሪ ተውዕል ዘለኻ፣

– ቈልዑ ባሊና እናተጻወቱ። እታ ሓንቲ ነታ ደው ዝበለት ከተንጭዓ እንከላ፥ እታ ዝሃረመት ፍጥነታ ተጕድልን ኣንፈታ ትቕይርን፤ እታ ዝተሃርመት ከኣ ካብ ዕረፍቲ ናብ ምንቅስቓስ ትሰጋገር፣ እዚ ኣብ ሕጊታት ኒውቶን ዝርከብ ኣምራት እዩ፣

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x