ሕማም ቲቢ እንታይ እዩ? ብኸመይ ብቲቢ ክትልከፍ ትኽእል?

ብኸመይ ብቲቢ ክትልከፍ ትኽእል?

ቲቢ፡ ኣብ ኣየር ብዘሎ ደቀቕቲ ንጣባት ይመሓላለፍ። እዚ ንጣባት’ዚ፡ ካብ ኣፍንጫን ኣፍን ቲቢ ዘለዎ ሰብ ይመጽእ። እቲ ሰብ ክዛረብ፡ ክስዕል ወይ ከሀንጥስ ከሎ ባክተርያ ቲቪ ናብ ኣየር ይዝርጋሕ። ባክተርያ ቲቢ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ንጣባት ይርከቡ። ካልኦት ሰባት ድማ ኣየር ናብ ውሽጢ ከስተንፍሱ ከለዉ፡ እቲ ባክተርያ ዘለዎ ገለ ንጣባት ድማ ናብ ኣካል ብምእታው ናብ ሳንቡእ ይበጽሕ። እቶም ብባክተርያ ቲቢ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ናይ ግድን ይሓሙ ማለት ኣይኮነን። ከባቢ 1/3 ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ኣካላቶም ባክተርያ ቲቢ ከምዘሎ ይግመት እኳ እንተኾነ፡ ውሑድ ሰብ ጥራይ’ዩ ነቲ ሕማም ዘማዕብል። ውሑዳት ካብቶም ዝተለኽፉ ሰባት ዝሓሙሉ ምኽንያት፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ስለዝጐድል’ዩ። ምጕዳል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ፡ ብሰንኪ ካልእ ሕማማት፡ ጸቕጢ፡ ለውጢ ኵነታት ኣየር፡ ሕማቕ ስነ-ኣመጋግባ፡ ብፍሉይ ኣብ ዝተኣዘዘ መግቢ ዝግበር ለውጢ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ከጋጥም ይኽእል። መልከፍቲ ባክትርያ ቲቢ ምስ ኣጋጠመ፡ ሳሕቲ እቲ ሕማም ቅድሚ ምቅልዑ ዓመታት ይወስድ’

ቲቢ ከምዘለኩም ብኸመይ ትፈልጡ?  … ገጽ 3 ቀጽል 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x