ሕማም ቲቢ እንታይ እዩ? ብኸመይ ብቲቢ ክትልከፍ ትኽእል?

ቲቢ፡ ብባክተርያ ዝስዕብ ሕማም እዩ። ባክተርያ፡ ካብ ውሽጢ ኣካላት ሰባት ሓሊፉ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ንኣሽቱ ዘይርኣዩ ተሃዋስያን እዮም። መብዛሕቶም ባክተርያ፡ ዘይጓድኡ፡ ጠቐምቲ’ውን እዮም። እቶም ጠቐምቲ ባክተርያ ኣንብሎም ነቲ እንበልዖ መግቢ ኣብ ምሕቓቕ ተራ ዘለዎም ባክተርያ መዓንጣ እዮም። ሓደ ሓደ ባክተርያ ግን ጐዳእቲ እዮም። ነቲ ረኽስታት ኢልና እንጽውዖ ሕማም ከምጽኡ ይኽእሉ።

ቲቢ ዘስዕብ ባክተርያ፡ ብዓይነቱ ሓደ ካብዞም ባክተርያ’ዩ። ባክተርያ ኣብ ውሽጢ ኣካል ጠቢቖም እንተ ተባዚሖም፡ ኣካልና ድማ ክከላኸሎ እንተዘይክኢሉ፡ ሕማም ቲቢ ክሕዘና ይኽእል። ናይ ሳንቡእ ቲቢ ኣዝዩ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ኣካል (ንኣብነት፥ ዓስኬረን፡ ኣንጕዕ ወይ ኣእምሮ) ክመጽእ ይኽእል እዩ። ቲቢ ከምጽእ ዝኽእል ባክተርያ፡ ማይኮባክተርዩም ቱበርኩሎሲስ ( Mycobacteriumtuberculosis) ተ ባ ሂ ሉ ይጽዋዕ’ዩ።

ብኸመይ ብቲቢ ክትልከፍ ትኽእል?… ገጽ 2 ቀጽል 

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x