ውዳቕ መንዲል

ፖሊስ ነቲ ዝተረከብዎ ሰራቒ ምስ’ቲ ዘረከቦም መንእሰይ ሒዘሞም ንውሽጢ ቤት ጽሕፈቶም ብምእታው፣ ብቐጥታ ኩሉ ጁባታት ሰራቒ ፈተሹ። ኣብ ጁቡኡ ዝጸንሐ ናቅፋ’ውን ቆጾርዎ። እቲ ክቖጽረን ዝጸንሐ ፖሊስ ኣፉ እናሓዘ እዋእ!,,,እዋእ! በለ ብምግራም። ኢሂ’ታ እንታይ ድኣ ኮንካ? በለ ብጻዩ ናብኡ እናቐረበ። ገንዘብ እተን ሰበይቲ እንድየን እዚኤን ድኣ በሎ። እቲ ፖሊስ ነታ ሓራት ከይከደት ነተን ሰበይቲ ገንዘበን ከረክበን እናጎየየ ካብ ካንሸሎ ቅልቅል ምስ በለ፣ ወያ ሓራት ካብ’ቲ ከባቢ ከይዳ ጸንሓቶ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x