ውዳቕ መንዲል

ኩሉ ተሳፋራይ ዘዝመስሎ ተዛረበ። ፈተሪኖ ሓሊፋ ኣብኣ ዝነበረ ሰብ ከይወረድ ማዕጾ ዓጽያ ንኣውቲስታ ጸውዓቶ። ኣውቲስታ ድማ ናብ’ቲ ኣብ ጥቓ’ቲ ምውፋር ዘሎ ግዝያዊ መደበር ሓራት ኣጸግዓ። ፖሊስ ንኹሎም ተሳፈርቲ ኣውሪዱ በብሓደ ፈተሾም። ነቲ ንብረት’ውን ከምኡ ንኹሉ ፈተሾ እንተኾነ ዝተረኽበ ነገር ኣይነበረን። ኩሎም ተሳፈርቲ ዓዓቕሞም ኣዋጺኦም ነደይ ዝፋን ሃብወን። በራኺ ምስ ሓደ ብጻዩ ሓደ ጅብኡ ሕብጥ ዝበለ መንእሰይ ስለ ዝራኣዩ። ኣእዳዎም በብሪጋ ፈቲኖም ምስላጥ ኣበዮም። ናይ ክልቲኦም ፈተነ ክፈሽል ዘይተዋሕጠሉ በራኺ፣ ከም ክብሩ ዝተደፍረ ኣንበሳ ሓንሓነ። መሽሊጠየን እንተ ዘይመጺአ ሰብኣይ ኣይኮንኩን ኢልዎ ነቲ ብጻዩ ነቲ መንእሰይ ተጸግዖ። በጻብዑ ዝቐርቀረን ገንዘብ እናስሓበ እንከሎ፣ እቲ መንእሰይ ነብሱ ስኽፍኽፍ ስለ ዝበሎ ኣዒንቱ ናብ ጅብኡ ላኣኸን። ዘይናቱ ኢድ ኣብ ጅብኡ ኣትዩ ስለ ዝጸንሖ፣ ብነድሪ ዘሊሉ ኢድ እቲ ሰራቒ ብምሓዝ፣ ልቡ ክሳብ ዝጠፍኦ ሸናድሖ። ኣታ ግደፎ እንታይ ጌሩካ? ቆልዓ እንድዩ? ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ሰራቒ‘ዩ ምስ ሰምዐ፣ እናዳ ፖሊስ ውሰዶ ኢሉ ጫው ጫው በለ። ፖሊስ ነታ ብስርቂ መጺኣቶም ዝጸንሐት ሓራት ሰራቒ ከም ዘይረኸቡላ ብጽኑዕ ምስ ኣረጋገጹ ንኽትከይድ ፈቐዱላ። ኩሎም ተሳፈርቲ ካብ ተሰሪዖም ክፍተሽዎ ዝጸንሑ ናብ’ታ ሓራት እናተሰቕሉ። ሓደ መንእሰይ ነቲ ኣትሪሩ ብኳሌቱኡ ዝሓዞ ቆልዓ፣ ናብቶም ፖሊስ እናቐረበ እዚ ክሰርቀኒ ኢዱ ኣብ ጁባይ ኣእትዩ ረኺበዮ ኢሉ ኣረከቦም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x