ውዳቕ መንዲል

ምስኣ ሓዊሱ ኣልዒሉ ከም በዓል ድሓን ትኽ ኢሉ ናብ ጥቓ’ታ ኣብ ምውፋር ዘላ ናይ ጎደና ቴሎፎን ተጸግዐ። ዘስተውዓለሉ ሰብ ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጸ። ቀጺሉ ናብ ቅድሚ’ቲ ቶታል ዘላ ኒስትሮ ኣምርሐ። ብኣኣ ተኸዊሉ ድማ ነታ ኣብ ጅብኡ ዘእተዋ ቁጻር መንዲል ኣውጺኡ ፈቲሑ ክቖጽር ሀ ኢሉ ክጅምርን ጀምዕኡ ክመጹን ሓደ ኾነ። ካልኦት ዘመጽዎ መሲልዎ ክሃድም በተግ በለ። ርእይ ምስ ኣበሎም ግን “ወያላት! ኣኸዊፍኩምና’ኳ” በሎም ብሕርቃን ተቓጺሉ። ነተን ኣብ ኢዱ ጨቢጥወን ዝነበረ ናቕፋ ዳግማይ ክቖጽረን ጀመረ። ልዕሊ ትጽቢቶም ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን ናቕፋ ተሓቓቚፈን ጸንሐኦም። ገጽ ኩሎም በሪሁ፣ ዝያዳ ግን ገጽ በራኺ ኳዕ ኢሉ ተራእየ። ፍሽኽሽኽ እናብዝሐ ሰባሕ ምድሪ ካብ ተቓጠብና ቆድዩና ክውዕል እዩ በለ። ነታ ሳንቲም ዘይነበራ ጅብኡ እናኣማሞቐ። ሕጂ’ውን እዛ ዕግርግር ክንጥቀመላ ኣለና፣ ኢሉ መሪሕዎም ናብ’ቲ ድፎዖም ዝኾነ ብርኽ ዝበለ ኣፍደገ’ቲ ዱኳን እናምርሐ ኣይንሕመቕ በሎም። ተመራሪሐን ኣርባዕተ ሓራት ስለ ዝመጻ። እቲ ዕግርግር መመሊሱ ዛየደ። ጀምዓ በራኺ ነቲ ዝተፈጥረ ሃዋህው ክጥቀምሉ ኣብ ማእከል’ቲ ሸቐልቀል ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኣተው። ናብ ባጽዕ ዝተመደበት ቀዳመይቲ ሓራት መሊኣ ፈተሪኖ ትኬት ክትቆርጽ ጀመረት። ኩሎም ተሳፈርቲ ድማ ክኸፍሉ ገንዘቦም ሃሰስ በሉ። ኣደይ ዝፋን ከም ሰበን ሕሳብ ክኸፍላ ኣብ ቅናተን ዝቐርቀርኣ መንዲለን ሃሰስ በላ። ከም ገለ’ዶ ድኣ ኣብ’ዚ ሳንጣ ኣቐሚጣያ ኢለን ሳንጣ’ውን ፋሕ ጭንግራሕ ኣበልኣ። መንዲለን ደልየን ምስ ቀበጽኣ ኣደይ ዝፋን ገንዘበይ! ገንዘበይ! ገንዘበይ! ተሰሪቐ በላ ብዓውታ። ሓደ ኣብ ቅድሚአን ኮፍ ኢሉ ዝነብረ መንእሰይ። እዞም ረቢሾምና ዘለው ማስቲካ፡ ማይ ስሓ ዝብሉ ቆልዑት’ዮም ሰሪቖመን ዝኾኑ ማዕጾ ዕጸውዎ በለ ዓው ውዳቕ መንዲል ብጆሜትራ ደጀን ተኽለ ኢሉ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x