ውዳቕ መንዲል

ስድርኡ ከይድዎም ከም ዘየእትውዎ ፈሊጡ ነቲ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ተቐበሎ። ብደገ ደጊኡ ኣተኻ ወጻኻ ዝብል ዘይብሉ ከም ዊንትኡ ክሃልል፡ ክዘልል ባህ ዝበሎ ክትገብር፣ ብፍላይ ድማ ነቲ ካብ መተኣስርቱ ዝሰምዖ ሕክያታት፡ ስልትታት ኣብ ተግባር ከርእዮ’ሞ በራኺ! ሓለፈ ዝባሃለሉ መድረኽ ሕጂ ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ግዳም ሓደር ምዃን ከም ፍሉይ ዕድልን ብሉጽ ላይፍ እተሕልፈሉ፡ እትርእየሉ፡ እተስተማቕረሉን ህይወት ጌሩ ደምደሞ። በራኺ ካብ መተዓብይቱን መመህርቱን ረኺብዎ ዘይፈልጥ ሓልዮትን ፍቅርን ኣብ ውሽጢ ግዳም ሓደራት ስለ ዝረኸቦ ልቡ ተሰልበን ተደነቐን። ንሳልስቲ ዝኣክል እታ ብጻዩ ዘላለዮ ጀምዓ ካብ ዘምጸት ኣምጺኣ ከብዶም መሊኣ ዝባኖም ኣማሙቛ ኣኽበረቶም። በራኺ መውጽእን መእተውን መውዓልን መሕደርን ግዳም ሓደራት ተለማመዶን ከኣሎን። ዝገፈፉሉ ጥራይ ዘይኮነ ንሱ’ውን ገፊፉ ከብልዕ ጀመረ። ብተባዕ ድፍረቱን ፍሉይ ጥበቡን ተደሚርዎ ነታ ጀምዓ ክመርሓን ክመልካን ግዜ ኣይወሰደሉን። ቀትሪ ኣብ እንዳ ኣውቶብስ ለይቲ ኣብ ፍቖዶ ሻውላት እናሓደሩ ከም ዊንትኦም ክዘሉን ክዘምቱን ዝእግሞም ኣይነበረን። ቅልጡፍ ኣካይድኡን ናይ ሹቕ ምልከት ቋንቁኡን ዝራኣዩ ጀምዕኡ “ላማ” ትብል ሳጓ ኣጠመቕዎ። በዚ ዝተተባብዐ በራኺ ዝሓለሞ ስለ ዝረኸበ መትሓዚ ተሳእኖ። በራኺ ኣብ ሞንጎ ዕላሉ ኣዒንቱ ናብ ካልእ ነገር ዓረፋ። ሹፍ ነዛ ሰበይቲ መንዲል ረጂዓታ ገለ ይህልዋ ይኸውን እዩ። ኢሉ ካብ’ቲ ዝነበሮ በሪኽ ናይ ዱኳን መንደቕ ወሪዱ ኣብ ጥቓ’ታ መንዲል ምስ በጽሐ፣ ካብ ጅብኡ ካርድ ናይ ጎደና ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ደርበያ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x