ውዳቕ መንዲል

ጁባ ኣብኡ እናሰረቐ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከይተረፈ ካብ መማህርቱ ሰሪቑ እናሓሸሸ ጦቕ ምስ ኣበሎም መምሃራኑ። ብተደጋጋሚ ግዜ ናብ ወለዱ ብዘቕረብዎ መጠንቀቕታ፡ ስምዕታ ክእረም ስለ ዘይካኣለ ካብ መዝገብ ተማሃርኦም ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓኸኽዎ። በራኺ በዚ ግናይ ወልፊ ጥራይ’ውን ኣየብቅዐን፣ ገና ወዲ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት እንከሎ ሽጋራ ምስሓብ ጀመረ። ስድርኡ ሓደን ኮንቶን ውላዶም ቀጺዖም ምስማዕ ስለ ዝኣበዮም ዝገብርዎ ሓርበቶም። ኣቦን ኣደን ብሰንኪ’ዚ ርጉም ውላዶም ነንሕድሕዶም እናተወናጀሉ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ኣተው። ወዶም ኣብ ገዛ ብጠንቀምቀም ዝለመዶ ስርቂ ኣብ ደገ ወጺኡ ስለ ዝቐጸሎ፣ ሓደ ምሸት ምስ ክልተ ርእሱ ብስርቂ ተታሒዞም ኣብ ካልኣይ መደበር ኣተው። ኩሎም ትሕቲ ዕድመ ስለ ዝነበሩ ግን ንኮመሳርያቶ ሓማሴን ተሰጋገሩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ፣ ካብኡ ዝገዱ መዛንኡ እምበር ዝጥዕዩ ኣየጓነፍዎን። ኣብ ውሽጢ’ተን ዝጸንሓለን ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ቀላጽሙ ተወቂጡን ተወሳኺ’ውን ትንባኾ ለሚዱን ወጸ። ኣብ’ታ ዝወጸላ ዕለት ሓደ ካብቶም መተኣስርቱ ምስኡ ስለዝወጸ። ካብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም ትኽ ኢሎም ማይ ኣባሻውል በጽሑ። ሳዓታት ምሳሕ ስለ ዝነበረ። ከብዶም’ውን ክህውጾም ጀመረ። እንታይ ድኣ ንግበር? ተበሃሂሎም ስቕ በሉ። ናብ’ታ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረት ገረብ ተጸጊዖም እናጽለሉ። ካልኣይ በራኺ ሓደ ግዜ ግዳም ሓደር ወጺኡ ስለ ዝነበረ። ከም ፍታሕ ኢሉ። ኣብ’ዛ ናይ ባጽዕ እንዳ ኣውቶብስ ዝፈልጦም ጀምዓ ኣለውኒ። ሽዋየ ፋካ መምስሒና ካብኦም ምተቓጠብና፣ ንምሸት ዝኸውን ከኣ ካብ ገለ ንጥልግ በሎ ርእሱ ሓኸፍ እናበለ። ጠዋሊ! በለ በራኺ ብታህዋኽ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x