ውዳቕ መንዲል

ጸሓይ መስከረም መሬት ክትስዕም ዝደለየት ክትመስል ብርቱዕ ጩራታታ ብዘይ ገደብ ፈነወቶ። እቲ ናብ ከተማ ባጽዕ ክኸይድ ሪጋ ሒዙ ዝሓደረ ተሳፋራይ። ካብ’ታ መራር ጸሓይ ክኽወል ሳንጣታቱ ዘለዎ ሪጋ ገዲፊ ኣብ’ቲ መዐሸጊ ኣውቶቡሳት ከጽልል ተጸግዐ። መራሕቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ነቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብዝሒ ተሳፋራይ መዝሚዞም። ብሓደ ጸግዒ ኣውቶብሳቶም ብምሕባእ፣ ንባጽዕ ሱሳ ኣብቲኣ ኣላትኩም እናበሉ ሕሹክ ይብልዎም እቶም ፈተሪኖታት። ዝተሃወኹን ነቲ ጋዕ ገልጠም ዝጸልኡ ተሳፈርቲ ድማ በጃ ነብስና እናበሉ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ንዝነጥፋ ኣውቶብሳት ሪግኦም ገዲፎም ተጓየይለን። ጋግ ዝፈጠረ ሪጋ’ውን ዋናታቱ ካብ’ቲ ዘጽለልሉ ቦታ ተንሲኦም የቀራርብዎ። በራኺ ምስ ጀምዕኡ ኣብ ኣፍ ደገ ሓንቲ ድኳን ዓጉጎም እናዕለሉ ከለው፣ ያ ጀምዓ! ሎሚ ትርእይዋ ኣለኹም ትብላዕ ማዓልቲ’ያ። ኩላ ሰብ ሸይፍዋ ብጸሓይ ተዳኺማ ነብሳን ንብረታን ፋሕ ፋሕ ኢላ’ያ ዘላ። ምኽዋፍ ዝባሃል ነገር ከይነርኢ ገለ ነገር ዘርብሕ መቐነይና ክንምጅርጥ ኣለና ሎሚ በለ ድፍረቱን ትብዓቱን ከርኢ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኣዒንቱ እናፍጠጠ ነታ ዝመርሓ ጀምዓ ሓውሲ ምፍርራህ ጌሩ ኣዘዘ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ በራኺ፣ ከም መብዛሕትኦም መዛንኡ ብስእነት ዘይኮነ፣ ጽጋብ’ዩ ካብ’ታ ምውቕቲ ቤቱ ኣውጺእዎ። ገና ብንእሱ ካብ ቦርሳ ኣዲኡ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x