ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ኣይኮነን። እዚ ግን ዕላማ ምስ ዝህልወካዩ። ሰማይ’ውን ንኽድየብ ዘጸግም ከም ዘይኮነ፣ እቲ ዘይብጻሕ ዝመስል ከም እተበጽሖን ተማሂርና ኢና። እዛ ትምህርትና ኣገዳሲት’ያ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ።” ኣዒንቲ ኣባላት እታ ስድራ ናብ ዳንኤል ጠመታ። ዳንኤል ግና ሽዑስ ገጹ በሪሁ’ዩ ዝነበረ። “ናይዚ ምኽንያት ዝኾነና ዳኒኤል’ዩ። ሓደ እኳ ካባኻትኩም ክመልሶ ፈተነ ዝገበረ የለን።” እታ ስድራ ተዓኒዳ ኣቕባሕብሐት። ኣቶ ሃብቶም መቓምጦኡ እናጣጥሐ ዘረብኡ ቀጸለ። “እዛ ስድራቤት ዓቕሊ ኣብ ሂወት ኣገዳሲ ምዃኑ ተረዲእዋ ኣሎ። እቲ ዝገርመኒ ግና እዚ ዝሓለፈ እዋናት ምሳይ ምቊያቊ’ያ ኣሕሊፋቶ። ንሓውኹም ብኸመይ መንገዲ ናብ ጥዕናኡ ትመልስዎ ግና ዝሓሰበ ኣይነበረን። ብዝኾነ ዓለም ኣብ ዝባንና ዝጾርናያ ጾር ምዃና ወትሩ ኣይትዘንግዑ።” ኣቶ ሃብቶም ዘረብኡ ዛዘመ። እቶም ነገራት ተወጃቢርዎም ዝነበሩ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ግን፣ ፈዚዞም ነበሩ። ሴም እቲ ዝነኣሰ ኣባል እታ ስድራ፣ “ባባ፣ ኪድ እንዶ ኣብ መደቀሲኡ ረአ፣ ብዓቢ ወረቐት ጌረ ዓባይ ጥቕሲ ጽሒፈሉ ኣለኹ።” ድሕር’ቲ ዘረባ ኩሎም ተመራሪሖም ናብ መደቀሲ ክፍሊ ዳንኤል ከዱ። ኣብ ልዕሊ ዓራት፣ ኣብ ዓቢ ወረቐት ዝተወቀጠ ጽሑፍ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ ነበረ። “ጸሓይ ንበይንኻ ዝበረቐት ኮይና እንተተሰምዓትካ፣ ልቦና እዩ። ንዓና’ውን ከም ዝተወልዐት እንተ ኣሚንካ ድማ፣ ብጾት ከም ዘለውኻ ምስትውዓል’ዩ።” ዝብል ተጻሒፉ ነበረ። ተቐሪቦም ዝጸንሑ ክመስሉ ኣሌክስን ኣርሴማን ድማ ብኣተሓሳስባ ሕሳስ ልደ ሓዎም ኣዝዮም እናተደነቑ፣ “ ሕጂ እቲ ምስጢር በሪሁ” በሉ።

Credit: Amanuel Zeray

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x