ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ብዛዕባ’ዚ እንታይ ተመሳሳሊ ኣፍልጦ ኣለኪ?” “ናፖልዮን ኣብ መበል 25 ዓመቱ’ዩ ንኢጣልያ ማሪኽዋ” ዝተኣዘዘቶ ፈጸመት። “ኣሌክስ ወደይ’ከ እንታይ ትፈልጦ ኣሎካ?’’ “ኒውቶን ገለ ካብቲ ዝዓበየ ርኽበቱ ቅድሚ 25 ዓመቱ ከም ዝኾነ ኣብታ ቅድሚ ሰሙን ዘምጻእካልና መጽሓፍ ረኺበዮ ኣለኹ።” ኣቶ ሃብቶም ንሰበይቱ ከይጎስያ ኢሉ ተወከሳ። “ካብ ደቀይ’ዶ ክሓምቕ ኢለ? እዋእ ክፍልዝጊ ወደ ቦይ ሰመረ’ስ ኣይ ብንእሽትኡ’ዶ ኣይኮነን ኣብ ዓድና ጠሓኒት እኽሊ ዘተኣታተወ።” እታ ስድራ ብዘረባ ወ/ሮ ትዕበ ንካልኢታት ኣብ ሰሓቕ ተጸምደት። “ብዙሕ ጉህየ!” በለ ኣቶ ሃብቶም። “ኩሉኹም መቕድም ህይወትኩም ኣብ ኢድኩም ስለ ዘይጸንሐ። ኣቑጽልቲ ናይ ገረብ ኩሉ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ኣለዎ ዝብል እንተሎ፣ እቲ ገረብ ኣብ ምድሪ ዓለም ከም ዘሎ ዝዘንግዐ ሰብ ጥራይ’ዩ።” “እንታይ’ዩ ክብል?” እናበሉ ኣንፈት ምስትውዓሎም ዘይቀየሩ ስድራ ብጽሞና ተኸታተልዎ። “ኣብ ሂወትካ ካብ ዝረኣኽዮ እታ እተባህርረካ ወይ ንኸተድሓርሕር ምኽንያት ዝኾነትካ ፍጻሜ ከይፈጸምካያ ከይትመዉት ኢኻ ክትሓስብ ዘለካ። ናተይን ናይ ኣደኹምን ግዜ እኳ ክንደየናይ፣ እቶም ሰብ ግዜ ግና ጽቡቕ ዕድል ኣለኩም። እንተፈሊጥካ ንዓለም ክትጭብጣ ዘጸግም

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x