ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ጎሓፍ ደኣዩዚ’ኸ! ምሁሩን ደንቆሮን!” ብምንጽርጻር ናይ ውሽጣ ተፍአት። ኣቶ ሃብቶም ንመረረ ስድራኡ ተቐበለ። ኣርሴማ፣ ገጽ ኣዲኣ ብምምልካት “ኣብዚ ገዛ ኣባልነቱ ካብ ዘጥፍእ ብዙሕ’ዩ ጌሩ።” ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝነበራ ቅርሕንቲ ጎስዓቶ። እቲ ንዘረባኦም ጽን ኢሉ ዝሰምዖም ዝነበረ ዳንኤል፣ ነቲ ዝስዕቦ ዝነበረ ክሲ ክምልሰሉ’ውን ኣይፈተነን። ኣብ ክንድኡ ርእሱ ካብ ምድናን ኣቕኒዑ ንኹሎም ጠመቶም። ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ጽልኢ ከም ዘሕደሩ ድማ በቲ ኣብ ገጾም ዓሲሉ ዝነበረ ገራጭ ወስታ ተመልከተ። “ብዛዕባ እንታይ ኢና’ኸ ክንመሃር ባባ?” ሴም ሓተተ። “ትምህርትና’ኳ ዳርጋ ወዲእና ኢና። ብዛዕባ ህይወት ግን ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኣቐዲመ ንተሞኲረይ ምርኩስ ጌረ ዘገድስ ናይ ህይወት መገድታት ኣካፊለኩም’የ። ኣብዛ ገዛ ኮይኑ ዉጥኑ ዘይተሓንጸጸ ድማ ኣነ ዕዉት’የ ክብል ዝኽእል ኣይመስለንን።” “ስለዚ ንዓይ’ውን ይምልከተኒ’ዩ” በለ። “ኣይተጋገኻን ሴም ወደይ። ቪክቶር ሁጎ ኣብ 15 ዓመቱ’ዩ ትራጀዲ ክጽሕፍ ጀሚሩ። እታ ንዓኻ ዝኸበረት እዋን እታ ዘሎኻያ ህሞት’ያ። ህይወትካ ምስራዕ’ኮ ካብቶም ኣብ ዓለም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት ፍሉይ ኴንካ ከም እትጎዪ ክገብረካ ዝኽእል ሓይሊ’ዩ። ኣርሴማ ጓለይ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x