ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ሰብኣውነትካ ምዝንጋዕ ማለት’ዩ። ንዓቕሊ ካብቶም ኣብ ሂወት ዘድልዩ ከም ኣገዳሲ ዕጥቂ ሓሲቡ ዘይተጠቐመላ፣ ክጭብጦም ዝነበርዎ ዓወት ናይ ምኽሳር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ንማንም ዝስወር ኣይኮነን።” “ዓቕሊ እንተጨቢጥካ ንበይንኻ ኣብ ጸልማት ኽትጉዓዝ ዘጸግም ኣይኮነነን። ርእሲ ኩሎም ትኸዉን ማለት’ዩ። ስለዚ ዓቕሊ ዘይብሉ ጥይት ከም ዘይብሉ ብረት’ዩ። ስለምንታይ ነናትኩም ሓሳባት ኣምጺእኩም ክትሃድሙ ከም ዝደለኹም ተረዲኡኒ። ስለምንታይ’ከ ሓሳባትኩም ክትህቡ ተጸጊምኩም? ሓቅኹም ኢኹም እቲ ዓቕሚ ዘይብሉ ንዝተጸገመ ክሕግዝ ኣይክእልን’ዩ። ንስኹም ግን እቲ ሕጂ ክትህብዎ ዝድለ ዘሎ ዓቕሊ ጥራይ’ዩ። እቲ ተቐባሊ ኣካል ድማ እቲ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ሰብ’ዩ።” ኣሌክስ ምንኣስ ኩሎም፣ “ግን ባባ ስለምንታይ’ዩ ዳኒኤል ዘይጠባዩ እናሓዘ ብስቕታ ትርእዮ ዘሎኻ? ንሕና ብዓቕሊ ኢና ተጸቢናዮ። ሕማቕ ቃል’ውን ኣይተዛረብናዮን። ንሱ ግን ንምድጋሙ ዘነውር ስድነት’ዩ ተሓንጊሩ ዝኸይድ ዘሎ።” “ንምንታይ ስቕ ኢልካ ክትዕዘቦ መሪጽካ ኣሎኻ ባባ?’’ ኣስዓበ ቢንያም። “ዋላ ንዓኻ እኳ’ዩ ንዒቑኳ ዘሎ፣ ንማማ ኸኣ’ሞ ኣሕሲርዋ’ዩ።” ወ/ሮ ትዕበ ትቕብል ኣቢላ፣ “መን ከምዚ ስድራ’ዚ ኣብነታዊ እናተባሃልና ከም ዘይተረቛሕናስ በዚ ስዲ መሕሰር ቤቱ ሓሲርና ክንተርፍ። ኣበይ ዘሎ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x