ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ኣቑረምረመት። ግን ብግዴታ በዓል ቤታ ኮፍ በለት። ክኸይድ ተበጊሱ ዝነበረ ሴም ድማ “ካብ ወረደና ድኣ ካብ ምዕጋስ ሓሊፍና እንታይ ክንገብር” እናበለ ቃል ኣቦኡ ከየዕበረ ተመሊሱ ኮፍ በለ። እታ ኽትከታተሎም ዝጸንሐት ምዕባይ ሕሳስ ልደ ኣርሴማ ብድድ ብምባል፣ “ኣነስ ርእሰይ ብርቱዕ የቐንዝወኒ ስለዘሎ ኣፍቅዱለይ ክኸይድ” ኣድመጸት። ኣቶ ሃብቶም “ስለምንታይ ይስልክየኪ ዛጓለይ፣ ንፍርቂ ሰዓት ተጸመምና። ብድሕሪኡ ናብ ሕክምና ክንወስደኪ ኢና።” መለሰላ ኣቦኣ። ናብቲ ዝነበረቶ ሳሎን ተመሊሳ ረፋዕ በለት። ምንኣስ ቦኽሪ፣ ቢንያም’ውን ዕጥይጥይ እናበለን ንዳንኤል ብዓይኒ ጽልኢ እናጠመተን “ባባ ዘይትተርፍ ቆጸራ ስለዘላትኒ ብጾተይ ከይሻቐሉ ክኽይድ ኣሎኒ።” ልዝብ ኢሉ ሓተተ። ኣቦኡ ግና ፍሽኽታኡ ካብ ገጹ ከይኣለየ፣ “ጽቡቕ ኣሎኻ ቢንያም ወደይ፣ ብመጀመርታ ግን ኣብዛ ናይ ሎሚ ምዕዶ ተሳቲፍካ ኢኻ ክትከይድ ዘሎካ።” መለሰሉ። ቢንያም ነቦኡ ክደፍሮ ስለ ዘይደለየ ከም ኣሕዋቱ ጸግዑ ሒዙ ተቐመጠ። ንዝተወሰነ ካልኢታት ኣቶ ሃብቶም ንኹሎም ደቁን ሰበይቱን በብሓደ ጠመቶም። በቲ ኣብ ገጾም ዘንበቦ ህድኣት ዓጊቡ ዘረብኡ ፈለመ። “ንሎሚ እቲ ኣብ ሂወት መላኺ ክኸውን ዘለዎ ዓቢ ትምህርቲ ኢና ክንቀስም። ዓቕሊ ግን እንታይ’ዩ?” ንምኽሩ ብሕቶ ፈለሞ። “ብዘይ ዓቕሊ ምንባር ማለት

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x