ምኽሪ’ቲ ሽማግለ


ኣቶ ሃብቶም ድምጹ ዓው ኣቢሉ፣ “ስለምንታይ ትኸዲ ኣለኺ? ንዒባ ሓንሳእ ተጸመምና!” በላ። እቲ ንእሽቶይ ኣባል እታ ስድራ ሴም’ውን ተንስአ። “ብዛዕባ ዳኒኤል ሓውኹም ገለ ክብል ስለ ዝመደብኩስ ንቑሩብ ደቓይቕ ዓቕሊ ሸሚትኩም ስምዑኒ።” “ወትሩ ብእትገብርዎ ኮነ ብእትሓስብዎ ክትጭነቁ ከም ዘይብልኩም ብቐጻሊ ከም ዘተሓሳስበኩም እንተዘኪርኩም ኣገዳሲ መስለኒ። ነገራት ፈጺሙ ብመስርዑ ስለ ዘይጉዓዝ፣ ኣብ ዝደለኹሞ ንምርካቡ ኣይክትጽገሙን ኢኹም።” ትእዛዝ ዝመስል ምኽሪ ወስ ኣበለ። ‘ትርጉም ሂወት ኣብ ስድራቤት ዝተመርኮሰ ህንጸት’ዩ’ ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ ዘለዎ። ዋላ’ኳ ደረጃ ትምህርቱ ዝተሓተ እንተኾነ ካብ ኣቦኡ ዝተማህሮ መጽሓፍ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣለዎ። ካብዚ ዝተላዕለ ብ“ክኢላ ስነ ልቦና” እምበር ብስሙ ዝፈልጦ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። ሃብቶም፣ ብሰንኪ መግዛእቲ ንዝተኾልፎ ትምህርቱ ኣብ ደቁ መታን ክከሓሶ ኣበርቲዑ’ዩ ጽዒሩ። ከም ትምኒቱ ድማ ሓሳብ ልቡ ሰሚርሉ። ገና’ውን ደቁ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ክበጽሑ ትምኒቱ ስለ ዝኾነ’ዩ ተሞክሮኡ ሓዊሱ ከረድኦም ዝፍትን። “ገለ ዝምስጥ ክኸውን ኣለዎ፣ ብዛዕባ’ዚ ቈልዓ እንተኾይኑ ግና ስቕ ኢልካ’ዩ።’’ ብምባል ወ/ሮ ትዕበ ብልባ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x