ምኽሪ’ቲ ሽማግለ

ልዕሊ ኩሎም ኣሕዋቱ ዝድነቕ ዝነበረ ዳኒኤል፣ በንጻሩ ከም ዝፍለጥ ምዃኑ የስቆርቁራ። ወይዘሮ ትዕበ ንሰብኣያ ብቐጻሊ ንወዳ ክምዕዶ ትሕብሮ’ኳ እንተነበረት ኣቶ ሃብቶም ግን “ዓቕሊ ጥራይ ንግበር በብቕሩብ ክዕረ’ዩ። ንሰብ፣ ሰብ እዩ መስትያቱ፣ እቲ ሓባሪ፣ ንምሕባር ዓቕሚ ዝሓጽሮ እንተኾይኑ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብቲ ሰብ የድሊ ኣሎ።” እናበለ ይምልሰላ ነበረ። ወ/ሮ ትዕበ ናይ በዓል ቤታ ኣባሃህላ ይርደኣ ኣይነበረን። ነቲ ፍልስፍናዊ ዘረብኡ እና እንክትሰምዕ፣ “ኣየ ክኢላ ስነ ኣእምሮ! ዘረባኻ ጽውጽዋይ’ዩ ዝኾነኒ ዘሎ። ቀደም ከምዚ ኣይነበርካን። ብፍላይ ሎሚ ተምጽኦ ዘሎኻ ጠባይ ይገርም’ዩ። ኣነ ዘይፈልጠልካ መምህር ኴንካ ደኣ ከይትኸዉን።” እናበለት ትምልሰሉ ነበረት። እታ ወጃዕጃዕ ክትብል ዝጸንሐት ስድራ ድሕሪ ዳንኤል ምእታዉ ኣፋ ተለጉመ። መኣዲ ምስ ተላዕለ ድማ ከም ኣመላ ናይ ኣቦኣ ምኽሪ ክትሰምዕ ነበራ። እቲ ፍሉይነቱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም መንድዓት ናይታ ስድራ ዝሕሰብ ዳንኤል ብምህላዉ ኣደን ደቃን ኣይተሓጎሱን። ወ/ሮ ትዕበ ገጽ’ቲ ዘየኽብራ ወዳ ምስ ረኣየት ግብሩ ስለ ዝተራእያ ኮፍ ምባል ተጸሊእዋ ብቕጽበት ንደገ ክትወጽእ ብድድ በለት። በዓል ቤታ

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x