ሓደ ምሁርን ገፋፊ ዓሳን…

‘ካብ ሎሚ ንኔው፣ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክሳብ የዐርዩ ዝቐትር ክትገፍፍ ፈትን። ክትገፎም ክሳብ ዝኸኣልካ ብዝሒ ዓሳታት ኣክብ። ንዕዳጋ ትወስዶ። ድሕሪ ግዜ፣ ገንዘብ ኣኪብካ ሓንቲ ጃልባ ትገዝእ። በታ ጃልባ ተጠቂምካ ዝበዝሑ ዓሳታት ትገፍፍ። ቀስ ብቐስ ጀላቡ እናወሰኽካ ትኸይድ። ብገንዘብን ናይ ስራሕ ዓቕምን ክትስጉም ኢኻ። ድሕሪኡ ሓንቲ ናትካ ንእሽቶ ካምፓኒ ትምስርት። ቀስ ኢልካ’ውን ዓሺግካ ናይ ምሻጥ መደባት ተተኣታቱ። ድሕሪኡ ካብ’ዚ ናብ ወጻኢ ሃገር እናሸቀጥካ፣ ዓለምለኻዊ ቢዝነስማን ትኸውን።’ ‘ድሕሪኡ’ኸ?’ ሓተተ፣ ገፋፊ ዓሳ። እቲ ምሁር ተወናዊኑንን ብቓና ባህታን፣ ‘ገንዘብ ክትውንን ኢኻ። ገንዘብ ድማ ሓይሊ’ዩ። ከም ንጉስ ክትነብር ትጅምር። ሰባት ክፈትዉኻ፣ ከኽብሩኻ’ዮም።’ ‘ድሕሪኡ ኸ?’ ‘ድሕሪኡ ካብ ስራሕ ተዕርፍ። ኣብ’ዚ ገምገም ባሕሪ ንእሽቶ ቪላ ሰሪሕካ እናተቐመጥካ፣ ከም መዘናግዒን መሕለፊ ግዜን ድማ ንጉሆ ተንሲእካ፣ ኣብ’ዚ ገማግም ባሕሪ ትወፍር። ገለ ዓሳታት ሒዝካ ንገዛኻ ትምለስ። ምስ በዓልቲ ቤትካን ደቅኻን ክትዘናጋዕ ትውዕል። ዝመጽኡኻ ኣጋይሽ ትቕበልን ተዕልልን።’ እቲ ገፋፊ ዓሳ ክምስ በለ። መንገዱ ቅድሚ ምቕጻሉ ድማ ‘እዚ ደኣ እቲ ዝነብሮ ዘለኹዶ ኣይኮነን?’ ክብል ኣድመጸ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x