ሓደ ምሁርን ገፋፊ ዓሳን…

‘ገና ንግሆ’ዩ ዘሎ። ቅሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ተጸቢኻ፣ ብርክት ዝበሉ ዓሳታት ሒዝካ እንተትኸይድ ኣይምሓሸካን?’ ተገሪሙ ሓተተ ክኢላ ስነ ቑጠባ። ‘ኣይይ! ደሓን . . . እዚ ገፊፈዮ ዘለኹ ዓሳ ንስድራና ምሉእ ንምሳሕ ዝኸውን ኣኺሉስ፣ ተረፍ ከብድና’ውን ሼጥና ኣስቤዛና ክንሽፍን የኽእለና’ዩ።’ እቲ ገፋፊ ዓሳ፣ ምቕሉልነቱ ኣዛይዱ ብህድኣት መለሰ። ‘እዋእ! ምሉእ መዓልቲኸ እንታይ ክትገብር ክትውዕል?’ ‘ንጉሆ ብሽዓ’የ ካብ ድቃስ ዝበራበር። ናብ ባሕሪ ወፊረ ድማ፣ ገለ ዓሳታት ይኣራሪ። ድሕሪኡ ንገዛ ተመሊሰ፣ በዓልቲ ቤተይ ምሳሕና እናዳለወት ምስ ደቀይ ይጻወት። ድሕሪ ምሳሕ፣ ምስ በዓልቲ ቤተይ ሓቢርና ቀም ነብል። ድሕሪ ቀትሪ ይኸውን። ካብ ድቃስ ተበራቢርና ቡን ንሰቲ። ጸሓይ ጠለሰ ምስ በለት ድማ፣ ንከተማ ይኣቱ። ምስ ኣዕሩኽተይ ሓደ ክልተ እናበልና፣ እናሰሓቕና፣ እናተጻወትና ነማሲ። ቢላርዶ ይጻወት። ኣማስይኡ ንገዛ ይምለስ። ንስድራይ ናይ ድራር ዛንታታት እናዋጋዕክዎም ንድረር። ድሕሪኡ ምስ ሰበይተይ ተሓቛቚፍና ኣብ ምውቕቲ ዓራትና።’ እቲ ምሁር ስነ ቑጠባ፣ ርእሱ ንነዊሕ ድሕሪ ምንቕናቕ ክመኽሮ በለ። ‘ኣነ ብስነ-ቑጠባ’የ ተመሪቐ። ኣብ ስራሕካ፣ ካብ’ዚ ዘለኻዮ ኣዝዩ ብዝዛየደ ዕዉት ንኽትከውን ዝሕግዝ ገለ ሓሳብ ክህበካ።’ ‘ግርም!’

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x