ሓደ ምሁርን ገፋፊ ዓሳን…

ኣብ ሰዓታት ንጉሆ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ’ዩ። ሓደ ምሁር ስነ-ቑጠባ ኣብ’ቲ ገማግም ኣሳፊሑ፣ ነቲ ዝገማጠል ማዕበል ባሕሪ እናተዓዘበን ብድምጹ እናተነቓቕሐን ይዘናጋዕ ነበረ። ብወዝቢ ድማ፣ ነቲ ካብ ዝነበሮ ስፍራ ርሕቕ ኢሉ ዝነበረ ገፋፊ ዓሳ፣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ካብ ባሕሪ ስሒቡ ከውጽእ ይርእዮ። ተመሲጡ። ቀሪቡ ከዘራርቦ ስለዝሓሰበ ድማ ይቐርቦ። ሰላምታ ይለዋወጡ፣ የዛርቦ ድማ። ‘ነዚ ዓሳ ገፊፍካ ክተውጽእ ክንደይ ግዜ ተጸቢኻ?’ ሓተቶ። እቲ ምቕሉል ገፋፊ ዓሳ ‘ነዊሕ ኣይተጸበኹን። ምናልባት ዓሰርተ ደቒቕ!’ እናበለ ንብረቱ ጠራኒፉ ክሓልፎ በለ። ‘ፍቓደኛ እንተኴንካ ንቑሩብ ግዜ ከዛርበካ?’ እቲ ምሁር ቀጸለ። እቲ ገፋፊ ዓሳ ከይተማትአ ተሰማምዐ። ተሰኪምዎ ንዝጸንሐ ንብረትን ዓሳን ኣቐሚጡ ድማ፣ ንዕላል ድሉው ኮነ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x