ፍርቂ ካብ ሃብቲ ዓለምና ኣብ ኢድ 85 ቢልዮነራት?

ብደረጃ ዓለም “ዝሃብተሙ ሰባት” ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ 85 ቢልዮነራት፡ ኣኻዕቢተሞ ዘለዉ ሃብቲ ማዕረ’ቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና (3.5 ቢልዮን ህዝቢ) ዝውንኖ ድምር ሃብቲ ከምዝኾነ ብኦክስፎም ዝተዘርግሐ ኣብ  2014 ዝተኻየደ  መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምኽፋት ዋዕላ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ – ስዊዘርላንድ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ እቶም ናይ ዓለምና ዝሃብተሙ 1% ሰባት ብጠቕላላ ኣስታት 110 ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ገቢቶም ኣለዉ። እዚ ከኣ ካብ ድምር መጠን ሃብቲ ናይ’ቶም ዝተሓተ ኣታዊታት ኣለዎም ዝባሃሉ 3.5 ቢልዮን ህዝቢ ዓለምና ብ65 ዕጽፊ ዝዛየደ ከምዝኾነ የረድእ። እቶም ኣብ ቅድሚት ዘለዉ 85 ቢልዮነራት ብድምር 1.7 ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዝዉንኑ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ መጠን’ዚ ምስ ድምር መጠን ሃብቲ ናይ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ማዕረ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኣመሪካ ጥራይ፡ እቶም ካብ 1% ዘይሓልፉ ዝሃብተሙ ሰባት ን95% ሃብቲ’ታ ሃገር ክብሕትዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከቡ ዝተረፉ 90% ነድዮም ናብ መስመር ድኽነት ገጾም ከምርሑ ተገዲዶም ምህላዎም’ውን ኦክስፋም ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ ኣሎ። ኦክስፋም፡ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ኣብ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ እስጳኛ፡ ብራዚል፡ ህንዲን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕታዊ ዳህሳሳት ሓደ ነገር’ዩ ክርዳእ ክኢሉ። ንሱ ድማ፡ መንግስታት ዘርቅቕዎ ፖሊሲታትን ሕጊታትን ቁጠባ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንረብሓ ናይ’ቶም ዝወሓዱን ዝሃብተሙን ሰባት ዘቐድም ኮይኑ ከምዝጸንሕ’ዮም ዝበዝሑ ዜጋታት ናይ’ዘን ሃገራት ዝኣምኑ። እዚ ከኣ ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመጠጠ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ምዃኑ የረድኡ።

ብደረጃ ዓለም፡ ሸውዓተ ካብ 10 ሰባት ኣብተን ፍጹም ዘይምዕሩይ ኣታዊታት ዝራኣየለን ሃገራት ከምዝነብሩ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣብ መንጎ ዜጋታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ገፊሕ ናይ ኣታዊታት ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ የመልክት። ፈደራላዊ ማዕከን ገንዘብ ኣመሪካ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ዝዋጋኡ ቦንድ ናይ ምዕዳግ መደባት’ውን ነቲ ጋግ ኣብ ምርሓብ ወሳኒ ተራ ይጻወት ከምዘሎ’ዩ ዝጠቅስ። “እቲ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ግን” ይብል ኦክስፋም፡ “ጸጋታት ዓለም እናተዘቖቐ ናብ ኢድ ውሑዳት ሰባት ክኣቱ እንከሎ ምስኡ ድማ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ስርዓታት ዓለምና እናተባሕጎገ ይኸይድ ምህላዉ’ዩ።” ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ማላዊ ቅልውላው’ውን ነቲ ጋግ መሊሱ የጋድዶ ምህላዉ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ኣብ ከተማ ዳቮስ ተጋቢኦም ዘለዉ ወከልቲ ሃገራት ዓለም ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቦም ክዝትይሉ ተማሕጺኑ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x