ታሪኽ ኣመዓባብላ ጫማ

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ጫማ ኪኖ በጃ እግሪ ምዃን፡ ኣበይን መኣስን ክትክደኖ ከም ዘለካ፡ ምስ ከመይ ክዳን፡ ኣብ ዓይነት፡ ኣገልግሎት፡ እዋናውነት (ፋሽን) ተፈላልዩ ይርከብ ኣሎ። ጫማ ብዓይነቱን ዋግኡን ክፈላለ፡ ንሓደ ሰብ ብዝለብሶ ጫማ፡ ጓል ድዩ ወዲ? ሰበይቲ ድያ ሰብኣይ? ከምኡ’ውን ንዕድመ እቲ ሰብ ከይተረፈ ክትፈልጥ የኽእለካ። ካበየናይ ሕብረተሰብ ምዃንካ ክእምት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ቀጸላታት ሕብረተሰብ ከም ምልክት ፍልልይ ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ። ምልስ ኢልና ንታሪኽ ኣመዓባብላ ጫማ እንተርኢና፡ እታ ዝጠንተወት፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተረኽበትን ካብ ቆርበት ዝተሰርሐትን ጫማ፡ 5500 ዓመት ዝገበረት’ያ። ጫማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተፈላለየ ናይ ኣሰራርሓ ምምሕያሻት እናተገብረሉ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 15 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ተባሂሉ ብሓድሽ ቅዲ ክስራሕ ጀመረ። ሽዑ ድማ፡ ኣብ ኤውሮጳ “ክራኮው”(crakow) ዝተሰምየ ጫማ

ከም ፋሽን ተቐልቀለ። ብፍሉይ ንደቀንስትዮ ተባሂሉ ድማ፡ ታኬት ዘለዎ ጫማ (high heeled shoe) ተሰርሐ። እዚ ዓይነት ጫማ፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ዓቢ ተፈታዉነትን ተጠላብነትን ረኸበ። ዝተፈላለየ ኣስማት እናተዋህቦ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከም ፋሽን ግኑን ኰነ። እተን ጫማ ዘፍርያ ዝነበራ ትካላት፡ ነቲ ናይ ፈለማ በዓል ታኬት ጫማ ብዝተፈላለየ ቅዲ ክሰርሓኦ ተጓየያ። በዚ ጫማ’ዚ ሃብታማት፡ ማእኮሎትን፡ ድኻታትን ዝለብስዎ እናተባህለ ደረጃታት ሕብረተሰብ ኣብ ሰለስተ ተመቓቐለ። ቀስ ብቐስ፡ ተወዳዳሪ ዝዀነ ፍርያት ብምፍራይ ኣታዊታት ምእንቲ ክረኽባ፡ ብርክት ዝበላ ጫማ ዘፍርያ ካምፓኒታት ኣብ ምሉእ ዓለምና ተኸፍታ። እዘን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ ጫማ ዘፍርያ ትካላት፡ ፍርያተን ኣብ ምሉእ ዓለም ብምዝርጋሕ ቢልዮናት ኣታዊታት ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ። ጫማታት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሓድሽ ቅዲ፡ እናተሰርሐ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዓለም በጺሑ ይርከብ።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x