ስጋ ዝበልዑ ኣትክልቲ

ኣትክልቲ ማይን ማዕድናትን ካብ መሬት ብምስሓብ መግቦም ከም ዘዳልዉ ኢና እንፈልጥ። ይኹን እምበር ገለ ኣትክልቲ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል እንስሳታት ብምብላዕ ይናበሩ። እዞም ስጋ ዝበልዑ ኣትክልቲ ብዓይነት ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ዝተፈላለየ ጠባያት እውን ኣለዎም።

ኣብነት ስጋ ዝበልዑ ኣትክልቲ ትራይፍዮፋይለም ዝበሃሉ ኣትክልቲ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይገብሩን። ኣብ ልዕሊኦም ንዝዓልብ ሓሰኻ ወይ ለመምታ ግን ይውሕጥዎ። ሳንዲውስ ዝተባህሉ ኣትክልቲ ግን ብጥቕኦም ንዝሓለፈ ግዳይ ኣቑጽልቶም ብምውርዋር ቆሊቦም ይበልዕዎ። ሄልያምፎራ ዝተባህሉ ድማ ልክዕ ከም እንስሳታት መግቢ ኣብ ምሕቃቕ ዝሕግዞም ምራቕ ኣለዎም።

0
ርኢቶኹም ኣገዳሲ ኢዩ: ኮመንት ክትጽሕፉ ብኽብሪ ንሓተኩም 😍x