ዝበዝሓ ዘመናውያን ሞባይላት ብምኽንያት ፈነወ ሓበሬታ ኣስታት 900 ሜጋ ሀርዝ ዝበጽሕ ተጓዳኢ ጸርጊ ስለ ዝፍንዋ ኣብ ትርኣስና ምቕማጥ ነወግድ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓቐን ጸርጊ ንሓንጎልና ከዕንዎ ይኽእል’ዩ። እንተዘይኮይኑ ድማ ብርቱዕ ሕማም ርእስን ቃንዛ ጭዋዳታትን ከስዕበልና ይኽእል’ዩ። ድሓር ካብ ምጥዓስ ኣቐዲምክ ምጥንቃቕ ዝመስልዎ ነገር የለን። ...

ልዕሊ 50 ዓመት ንዝረገጹ ሰባት ናይ ሽምግልና ድኻም እናኸበደ ከይመጸ ብኣጋ ፈኲስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ንጥዕና ኣዝዩ ክጠቅም ከምዝኽእል ሓደስቲ መጽናዕትታት ከም ኣረዲኦም። ዕድመ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ ዝረአ ምምንማን ቀይሕ ጭዋዳ፡ ቃንዛ መገጣጠሚ ኣዕጽምትን ካብ ሕማም ቀልጢፍካ ዘይምሕዋይን ብቐሊል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክዕገት ከም ዝከኣል ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ዝርከቡ ዘለዉ ናይ መጽናዕቲ ውጽኢታት ወዲ 90 ዓመት’ውን ስፖርት ብምክያድ ጭዋዳ ክውስኽን ቅርጺ ...

1. ብትሕዝቶ ካልሽዩም፡ ፖታሽየም፡ ብረት፡ ቪታሚን ‘ኤ’ ‘ቢ’ ን ‘ሲ’ን ሃብታም’ዩ። 2. ካብ ሕማማት ካንሰ ር ስርዓተመፍረ ወ ዲ ተባዕታይ (Prostate cancer) ን ልዑል ጸቕጢ ደምን ይከላኸለልና። 3. ንዝተናውሐ ጽግያት፡ ኣዝማ፡ ነድሪ መዓናጡን ስቶማኮን ይፍውስ። 4. ኣንጻር ጉንፋዕን ሰዓልን ይከላኸል፡ ኣብ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ቱቦ ከምጸረ ረኽሲ ኮይኑ የገልግል። 5. ድርቀት የፋዂስ፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ የደንፍዕ፡ ከምኡ’ውን ክብደት ኣብ ምንካይ ...

ጸባ ጡብ ኣደ እኹልን ብቐሊሉ ዝሓቅቕ መኣዛታት መግቢ ዘለዎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝከላኸልን፡ ኣብ መንጎ ኣደን ህጻንን ፍቕሪ ዘደልድል ንህጻን ዝተዳለወ ህያብ ኢዩ። ህጻን ምስ ተወልደ ድማ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክጠቡ ኣለዎ። ንመቕመሲ ተባሂሉ ዝወሃብ ዝኾነ ነገር ነቲ ህጻን ዝኾነ ረብሓ ስለዘይብሉ ፍጹም ክወሃብ የብሉን። ኣብ ፈለማ ን3 መዓልታት ዝፈስስ ሓፊስ ጸባ ጡብ ኣደ ልግዐ ኮይኑ ነቲ ህጻን ሓይልን ...

– ጸረ-ረኽስን ነድርን የገልግል – ትሕዝቶኡ፡ ላክቲክ ኣሲድ (lactic acid) ስለዘለዎ፡ ንዳንዱር (ታሕተዋይ ኣካል ናይ ረጒድ መዓንጣ) – ቃንዛ ርእሲ የህድእ! – ካብ መጥቃዕቲ ናይ ካንሰር ይከላኸልን ንካልኦት ናይ ቈርበት ሕማማት ይፍውስን! – ጒንዲ ናይ ሓምሊ ካውሎ ጸሚቚካ ምስታይ ዝበለጸ ፈውሲ ነድሪ ከስዐ’ዩ! – ብጋስትራይት ትሽገር እንተደኣ ኴንካ፡ ሓድሽ (fresh) ጽሟቕ ካውሎ ስተ! – መዓልታዊ ካብ 25 ክሳብ 50 ሚሊ ...

ቲቢ፡ ብባክተርያ ዝስዕብ ሕማም እዩ። ባክተርያ፡ ካብ ውሽጢ ኣካላት ሰባት ሓሊፉ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ንኣሽቱ ዘይርኣዩ ተሃዋስያን እዮም። መብዛሕቶም ባክተርያ፡ ዘይጓድኡ፡ ጠቐምቲ’ውን እዮም። እቶም ጠቐምቲ ባክተርያ ኣንብሎም ነቲ እንበልዖ መግቢ ኣብ ምሕቓቕ ተራ ዘለዎም ባክተርያ መዓንጣ እዮም። ሓደ ሓደ ባክተርያ ግን ጐዳእቲ እዮም። ነቲ ረኽስታት ኢልና እንጽውዖ ሕማም ከምጽኡ ይኽእሉ። ቲቢ ዘስዕብ ባክተርያ፡ ብዓይነቱ ሓደ ካብዞም ባክተርያ’ዩ። ባክተርያ ኣብ ...

ዝኾነ ነገር ልዕሊ ዓቐን እንተኾይኑ ጸገም ከም ዘለዎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ኣበዋት መዓር እንተበዚሑ ይመርር’ዩ ዝብሉ። እስከ ልዕሊ ዓቐን ዘስዕባ ጸገማት ንርአ:  ልዕሊ ዓቐን ማይ  ጀኒፈር ሊ ዝተባህለት ሰብ፡ “Hold Your Wee for a Wii.” ኣብ ዝብል ናይ ሬድዮ ውድድር ክትዕወት ብምሕሳብ ልዕሊ ዓቐን ማይ ብምስታያ ሂወታ ስኢና። እዛ ኣደ ክልተ ቈልዑት ሰበይቲ “ሽንቲ ከይሸነ ንነዊሕ ዝጸንሐ ...