ምድረበዳ ክበሃል ከሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ፡ ኣግራብ ዘይበቑልዎን እንስሳታት ዘይነብርዎን ኮይኑ ዝስመዓና ብዙሓት ኢና። ምድረበዳ ዝበሃል ግን ብሰንኪ ዋሕዲ ጠሊ ብዘይካ ፍሉያት ፍጥረታት፡ ህይወታውያን ክነብርሉ ዘይምቹእ ኣከባቢ ማለት’ዩ። ምድረበዳ ካብ መጠን ንላዕሊ ሙቐት ዘለዎ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ መጠን ንታሕቲ ዛሕሊ ዘለዎን ንህይወታውያን ዘይምቹእን ኣከባቢ’ውን ምድረበዳ’ዩ ዝበሃል። ኣብቲ ዝሑል ዝበሃል ምድረበዳ ኩሉ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ጠሊ ናብ በረድ ስለዝቕየር ...

ብሩስ ሊ ኣብ ሂወቱ ምሉእ ሓደ ግዜ ጥራይ’ዩ ኣብ ግጥም ካራተ ተሳዒሩ። ወዲ 13 ዓመት እንከሎ። እዚ ስዕረቱ’ዚ እዩ ድማ ‘ማርሻል ኣርት’ ንኽመሃር ደፋፊኡዎ። ሓደ ዪፕ ማ ን ዝተባህለ ናይ ዊ ንግ ቹ ን መምህር እዩ ምሂርዎ። ካልኦት መማህርቱ ዝ ነበሩ ተማሃሮ፡ ብሩስ ሊ ውጹእ ቻይናዊ ከምዘይኮነ ምስ ፈለጡ ምስኣቶም ክመሃር ኣይፈቐድሉ ን ። ስለ’ዚ ከኣ ዩፕ ማን ብውልቁ ክምህሮ ...

ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ናይ ሓንጎል ስራሕ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምጥርጣር ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። መዓልታዊ ብተመራመርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምህዞታት ድማ ናይዚ ምስክር’ዩ። ወዲ ሰብ ለይቲ ምስ ደቀሰ ሕልሚ ይሓልም’ዩ። ንሕልሚ፡ ቀትሪ እትርእዮ ወይ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝረኣኻዮ’ዩ ሕልሚ ተመሲሉ ዝመጽኣካ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ዓዉዲኸ? ኣብ ከባቢ 1820 ዝነበረ ፈረንሳዊ ተመራማሪ፡ ሕልሚ ማርኮይስ ዲ ሀርቨይ፡ ኣብ 1653 ወዲ ...

ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝተባህለት ናይ ኣውስትራልያ ዞባ ካብ እትርከብ ከተማ ፎርብስ ዝተበገሰት ንእሽቶ ናይ ሕርሻ ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ኣብራሪ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ብሰንኪ ሕማም ቀልቡ ብምጥፋኡ፡ ወዲ 19 ዓመት ተሳፋሪ ነቲ መቈጻጸሪ ብምሓዝ ን45 ደቓይቕ ከም ዘብረራ ተፈሊጡ። ሓንሳእ ጥራይ ናይ ምብራር ዕድል ረኺቡ ዝነበረ መንእሰይ ትሮይ ጀንኪንስ ነታ ነፋሪት ከዕልብ ክብል ሓደጋ ከይፈጥር ስለ ዝፈረሐ ኣብ ጥቓ እቲ ...