ዕዉት ንኽትከውን ምሕላም ጥራይ ኣኻሊ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ንእትሓልሞ ምትግባር እምበር። – ንሎሚ ብዛዕባ ትማሊ ብምጥዓስ ኣይተባኽን። ንጽባሕ ተሞክሮ ዝኾነካ ዕዮ ዕየ። – ሰባት ንመቕጻዕቲ ፈሪሖም ብሉጻትን ሰብ ዝናን ክኾኑ ምርኣይ እቲ ዝኸፍአ ትርኢት’ዩ። – ፈጠራ ካብ ፍልጠት ይበልጽ። – እቲ እሙን ዓርኪ ዝበሃል ጽቡቕ ጎድንኻ ዝነግር ዘይኮነስ እቲ ኣሉታዊ ሸነኻትካ ብግልጺ ዝሕበር’ዩ። – ተመራማሪ ዓውዲ ፊዚክስ እንተዘይከውን። ሙዚቀኛ ምኾንኩ። ...