እዚ ኣብ ትሕቲ ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ’ዚ ብሓፈሻ 86 ኣብ ልዕሊ ማይ ዝተሰርሑ ቪላታት፡ 16 ካብ ባሕሪ ዝተፈልዩ ጨዋም መሐንበሲ ቀላያት፡ 20 ብዕምባባ ዘጌጹ ኣብ ሕቑፊ ጎቦ ዝተሃንጹ ቪላታት፡ 2 ኣብያተ መግብን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መዘናግዒ’ዩ። ሂልተን ቦራቦራ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ኣቀማምጣ’ዩ ዘለዎ። ብድሕሪ’ቲ ሞቱ ቱፑዋ ዝተባህለ እሳተጎመራዊ ጎቦታት ስለዝርከብ እቲ ኣብ ወሰናስኑ ዝርከብ ጻዕዳ ሑጻ ብጸለምቲ ኣእማን ...

ጌቱርን ኣብ ኔዘርላንድ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ’ያ። እዛ ከተማ ጽርግያ ዝበሃል የብላን። ብማይ ዝተኸበበት ስለዝኾነት። ስለ’ዚ ድማ ነበርታ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ (ኣብ ውሽጢ’ታ ዓዲ) ክንቀሳቐሱ ጎደና ዘይብላ ዓዲ እንተኾይኖም ብጃልባ’ዮም ዝጥቀሙ። ነፍሲ-ወከፍ ስድራ ናይ’ታ ዓዲ ኣብ ናይ ውልቃ ደሴት’ያ ትነብር እንተተባህለ’ውን ዝተጋነነ ኣይኮነን። ጽቡቕ ጌርኩም ከተስተማቕርዋ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮ ተኸተሉ ! ...