– ናብ ምድሪ ናብ ዝቐረበት ኮኾብ ንምብጻሕ (ብዘመናዊ መሳርሒ ተሓጊዝካ) ልዕሊ 70,000 ዓመታት የድሊ። – ናይ ዓለምና ዝበለጸ ፈላስፋ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልበርት ኣንስታይን ምሉእ ሂወቱ ካልሲ ወድዩ ኣይፈልጥን። – ስገን ክብደት ናይ ኣዒንታ ካብ ክብደት ናይ ኣእምሮኣ ይበልጽ። – ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ምሉእ ሂወቱ 1,460 ግዜ ይሓልም። – ኣብ ሃገረ ካናዳ ኣብ መላእ ሰሙን እታ ዝበለጸት ናይ ስራሕ ...

ንጽባቐ ጓል ንምድናቕ ‘ሞናሊዛ’ ክበሃል ንሰምዕ ኢና። ሞናሊዛ ግን ጽብቕቲ ጓል ዘይኮነትስ ብዓይኒ ሃየስትን ኣፍቀርትን ቅብኣ ‘ብልጽቲ ቅብኣ’ ዝተሰመየት እያ። እዛ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር እትርከብ ቅብኣ ሞናሊዛ ብኢጣልያዊ ውሩይ ቀብኣይ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተሰኣለት’ያ። ብመንግስቲ ፈረንሳ እትውንን ቅብኣ ሞናሊዛ ንኹሉ ተዓዛቢኣ ዘደንቕ እታ ‘ሚስጥራዊ ፍሽኽታ’ ዝመለለዪኣ ሰበይቲ’ያ። ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ስእሊ ክስእላ እንከሎ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይገበረላን ብዙሕ ...

ሓራምዝ ብተፈጥሮኦም ርህሩሃት’ዮም። መጻምድቶም ዝመትዎም ሓራምዝ ንባዕሎም ብክቱር ጓሂ ከምዝሞቱ’ዩ ዝፍለጥ። ምብላዕ ምስታይ ተሓሲሞም ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ኣብ መሬት ተስጢሖም ብጥሜት እናተሳሕጉ’ዮም ዝሞቱ። እቲ ዝገርም ኣብ ግዜ ሓዘኖም ዝኾነ ይኹን ካብ ሰብ ዝመጽኦም ሓገዝ ኣይቅበልዎን’ዮም። ...

ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ናይ ሓንጎል ስራሕ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምጥርጣር ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። መዓልታዊ ብተመራመርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምህዞታት ድማ ናይዚ ምስክር’ዩ። ወዲ ሰብ ለይቲ ምስ ደቀሰ ሕልሚ ይሓልም’ዩ። ንሕልሚ፡ ቀትሪ እትርእዮ ወይ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝረኣኻዮ’ዩ ሕልሚ ተመሲሉ ዝመጽኣካ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ዓዉዲኸ? ኣብ ከባቢ 1820 ዝነበረ ፈረንሳዊ ተመራማሪ፡ ሕልሚ ማርኮይስ ዲ ሀርቨይ፡ ኣብ 1653 ወዲ ...

ብደረጃ ዓለም “ዝሃብተሙ ሰባት” ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ 85 ቢልዮነራት፡ ኣኻዕቢተሞ ዘለዉ ሃብቲ ማዕረ’ቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና (3.5 ቢልዮን ህዝቢ) ዝውንኖ ድምር ሃብቲ ከምዝኾነ ብኦክስፎም ዝተዘርግሐ ኣብ  2014 ዝተኻየደ  መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምኽፋት ዋዕላ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ – ስዊዘርላንድ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ እቶም ናይ ዓለምና ዝሃብተሙ 1% ሰባት ብጠቕላላ ኣስታት 110 ትሪልዮን ዶላር ...

ሓደ እዋን፡ ገለ ሰባት መኪና ሃሪማትካ ብትሕቲ ጎማ ኣቲኻ ምስ ወጻኻ፡ ‘’ናይ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ’’ ክብሉኻ እንከለዉ ዘየሕርቕ ኣይኮነን። ብውሽጥኻ ከኣ ‘’ዕድለኛ እንተዝኸውን’ዶ ካብዚ ኩሉ ሰብ መሪጻ ንዓይ ብትሕቲ ጎማኣ ኣእትያተኒ።’’ የብል ይኸውን። እንኾነ ሰባት ከከም ሓሳባቶምን ርድኢቶምን ነቲ ኩነት ክገልጽዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ገሊኦም ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ብምትራፍካ ጥራይ ከም ዕድለኛ ከገልጹኻ እንከለዉ፡ ገሊኦም በቲ ዘጋጠመካ ሓደጋ ጥራይ ከም ዘይዕድለኛ ...

ዝኾነ ነገር ልዕሊ ዓቐን እንተኾይኑ ጸገም ከም ዘለዎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ኣበዋት መዓር እንተበዚሑ ይመርር’ዩ ዝብሉ። እስከ ልዕሊ ዓቐን ዘስዕባ ጸገማት ንርአ:  ልዕሊ ዓቐን ማይ  ጀኒፈር ሊ ዝተባህለት ሰብ፡ “Hold Your Wee for a Wii.” ኣብ ዝብል ናይ ሬድዮ ውድድር ክትዕወት ብምሕሳብ ልዕሊ ዓቐን ማይ ብምስታያ ሂወታ ስኢና። እዛ ኣደ ክልተ ቈልዑት ሰበይቲ “ሽንቲ ከይሸነ ንነዊሕ ዝጸንሐ ...

ሉል ብኣቸቶ ከምዝመክኽ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መሐንበሲ ጋብላ ኣብ ሃገረ  በልጂዩም ዝርከብ ኮይኑ፡ 33 ሜትሮ ዕምቆት ይውንን ቋንቋ ሃዋይ ብ12ፊደላት ዝቘመ’ዩ ኣብ 1949 ኣብ ጃፓን ዝተሰርሐት ኤለክትሮኒካዊት ማኪና ሓንሳብ ቻርጅ ምስ መልአት፡ ን200 ኪሎ ሜተር ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትጐዓዝ ትኽእል ምንባራ እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ብይን 384,912 ዓመታት ኮይኑ፡ ንወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ዝተፈርደ’ዩ እቲ መንእሰይ ነዚ ዝተፈረደሉ ምኽንያት ...